16
Rendez-Vous Bar & Cafe For friendly environment, best food, best refreshments, and best service come & visit the award-winning Ren- dez-Vous restaurant at 1408 Danforth Avenue. ብሉጽ መግብታት ቀሪብና፡ ፍሕሹው ገጽ ኣሰኒና ብሕጉስ መንፈስ ከነአንግደኩም ተዳሊና ኣለና። ኣእምሮኹም ከተሐድሱ፡ ድኻምኩም ከተራግፉ ኩሉ ግዜ ናብ ራንዴቩ ምጽኡ። Address: 1408 Danforth Ave. Toronto, ON M4J 1M9 Tel: 416-469-2513 መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 መጀመርታ ዓርቢ ናይ ነፍስ-ወከፍ ወርሒ እትሕተም ወርሓዊት ጋዜጣ 260 Adelaide St. E Toronto, ON. M5A 1N1 P.O.Box 192 Tel: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 www.meftih.com email: [email protected] Sawa Restaurant & Bar 812 Bloor St. West ቤት መግቢ ሳዋ * ዓርብን ቀዳምን ለይታዊ ትልሂት ምስ ስነ-ጥበባዊ ዳኒአል * ንጥምቀትን ዕለተ ልደትን ፓርቲ ቦታ ነካሪ * ናይ መርዓን ጥምቀትን ምቁር መግቢ ነዳሉ ንዝያዳ ሓበሬታ 416-537-2188 ደውሉ ብድሓን ምጽኡ! ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና! ርሑስ መዓልቲ ካናዳ! ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ተወዲቡ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ፡ ብ17 ሰነ 110 ተመሃሮ ብምምራቕ ተዛዚሙ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቡነ ሰበኻ ጉባኤ ከረን ብጹእ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ንተመሃሮ ሰርቲፊኬት ዓዲሎም። እቶም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ በቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ትምህርቲ መባእታዊ ደረጃ ቋንቋ ትግርኛ ምንባብን ምጽሓፍን ብምቕሳም ስሞም ክጽሕፉ ዝበቕዑ ከምዘለዉ ኣወሃሃዲ እቲ መደብ መምህር ባህልቢ ተኽለ ምስ ጋዜጣ መፍትሕ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ገሊጹ። መምህር ባህልቢ ቀጺሉ፡ እዚ መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ብሽዱሽተ ወለንተኛታት መማህራን ቀዳም ቀዳም ንክልተ ሰዓትን ፈረቓን ይካየድ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ 110 ህጻናት ብቋንቋ ትግርኛ ተመሪቖም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ውን ምስኡ ተሰንዩ ይወሃቦም ከምዝነበረ ሓቢሩ። እዚ ብዘይ ሓገዝ ክሰላሰል ዝጸንሐ ትጉህ ተበግሶ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ኪዳነምህረት ኣቓልቦ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኦንታርዮ ስለዝረኸበ፡ ቋንቋ ትግርኛ ብወግዒ ንግዱሳት ተመሃሮ ምእንቲ ክቐርብ መምህር ባህልቢ ተኽለ ኣወሃሃዲ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ናብ 6ይ ገጽ ይቕጽል

416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

  • Upload
    others

  • View
    4

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Rendez-Vous Bar & Cafe

For friendly environment, best food, best refreshments, and best servicecome & visit the award-winning Ren-

dez-Vous restaurant at 1408 Danforth Avenue.

ብሉጽ መግብታት ቀሪብና፡ ፍሕሹው ገጽ ኣሰኒና ብሕጉስ መንፈስ ከነአንግደኩም ተዳሊና ኣለና። ኣእምሮኹም ከተሐድሱ፡ ድኻምኩም ከተራግፉ ኩሉ ግዜ ናብ

ራንዴቩ ምጽኡ።Address: 1408 Danforth Ave.

Toronto, ON M4J 1M9 Tel: 416-469-2513

መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 መጀመርታ ዓርቢ ናይ ነፍስ-ወከፍ ወርሒ እትሕተም ወርሓዊት ጋዜጣ260 Adelaide St. E Toronto, ON. M5A 1N1 P.O.Box 192 Tel: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 www.meftih.com email: [email protected]

Sawa Restaurant & Bar812 Bloor St. West

ቤት መግቢ ሳዋ* ዓርብን ቀዳምን ለይታዊ ትልሂት ምስ ስነ-ጥበባዊ ዳኒአል* ንጥምቀትን ዕለተ ልደትን ፓርቲ ቦታ ነካሪ* ናይ መርዓን ጥምቀትን ምቁር መግቢ ነዳሉ ንዝያዳ ሓበሬታ 416-537-2188 ደውሉብድሓን ምጽኡ! ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና!

ርሑስ መዓልቲ ካናዳ!

ብ ካ ቶ ሊ ካ ዊ ት ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ተወዲቡ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ፡ ብ17 ሰነ 110 ተመሃሮ ብምምራቕ ተዛዚሙ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቡነ ሰበኻ ጉባኤ ከረን ብጹእ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ንተመሃሮ ሰርቲፊኬት ዓዲሎም።

እቶም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ በቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ትምህርቲ መባእታዊ ደረጃ ቋንቋ ትግርኛ ምንባብን ምጽሓፍን ብምቕሳም ስሞም ክጽሕፉ ዝበቕዑ ከምዘለዉ ኣወሃሃዲ እቲ መደብ መምህር ባህልቢ ተኽለ ምስ ጋዜጣ መፍትሕ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ገሊጹ።

መምህር ባህልቢ ቀጺሉ፡ እዚ መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ብሽዱሽተ

ወለንተኛታት መማህራን ቀዳም ቀዳም ንክልተ ሰዓትን ፈረቓን ይካየድ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡

110 ህጻናት ብቋንቋ ትግርኛ ተመሪቖምሃይማኖታዊ ትምህርቲ ውን ምስኡ ተሰንዩ ይወሃቦም ከምዝነበረ ሓቢሩ።

እዚ ብዘይ ሓገዝ ክሰላሰል ዝጸንሐ ትጉህ ተበግሶ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ኪዳነምህረት ኣቓልቦ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኦንታርዮ ስለዝረኸበ፡ ቋንቋ ትግርኛ ብወግዒ ንግዱሳት ተመሃሮ ምእንቲ ክቐርብ

መምህር ባህልቢ ተኽለኣወሃሃዲ መደብ ቋንቋ ትግርኛ

ናብ 6ይ ገጽ ይቕጽል

Page 2: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

260 Adelaide St. E. Toronto, ON M5A 1N1P.O.Box 192

www. meftih.comTel: 416-824-8124Fax: [email protected]

ቃል መፍትሕ

መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 2

Editor of English SectionGrace Cherian

Editor-in-chiefAaron Berhane

ዋና ኣሰናዳኢኣሮን ብርሃነ

መብራህቱ ገብራይ416-854-8084416-922-8256

ሰሚዕኩም ዶ?ንመርዓውቲ፡ ቤተሰብ፡ ዓርኪ፡ ዘመድ ህያብ ዝኸውን መጎጎን

ፈርኔሎን ቀሪበልኩም ከምዘለኹ?

በሉ ኣይትደንጉዩ እዚ ብዓቢ ውሕልነት ዝተዳለወ ብሉጽ ፍርያት ከየምልጠኩም ቀልጢፍኩም ርኸቡኒ። መጎጎን ፈርኔሎን እንተገዚእኩም ናይ መጓዓዓዚ ኣገልግሎት ኣይትሰከፉ። ባዕለይ

ኣብ ገዛኹም ጥብ ከብለልኩም’የ።

ከምኡ’ውን ንመርዓ ንሕጸ ዲጀይ ምስ እትደልዩ መብራህቱ ገብራይ ኢልኩም ብ416-854-8084 ወይ 416-922-8256

ተወከሱኒ።ንዓኹም ንምሕጓስ ኩሉ ግዜ ኣብ ድሉው’የ!

ዘመደብርሃን ርእሶምሰርቲፋይድ ጀነራል ኣካውንታንት

መዓልቲ ካናዳ፡ ተዘክራዊት ዕለት

ሓምለ 1 ሃገራዊ መዓልቲ ካናዳ’ዩ። ካናዳ ከም ሃገር ዝቖመትላ መዓልቲ ብክብ ዝበለ ጽምብል ነብዕለላ ዕለት። ዘለና ረዚን ኣረኣእያ ኣብ ሕብረ-ባህላዊ ብዙሕነት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብኩርዓት ንዝክረላ መዓልቲ።

ብሓደ ሓምለ 1867 ኣውራጃታት ኦንታርዮ፡ ኩበክ፡ ኖቫ ስኮሽያን ኒው ብሩንስዊክን ሓቢረን ነዛ ሕጂ ካናዳ ኢልና ንጽዋዓ ዘለና ሃገር መስሪተን። ቀስ ብቀስ ድማ እተን ዝተረፋ ኣውራጃታት ተጸንቢረንአን። ኣብ መጀመርታ እዛ ታሪኻዊት ዕለት መዓልቲ ሓድነት (Dominion Day) ተባሂላ ትጽዋዕ ኔራ፡ ካብ 27 ጥቅምቲ 1982 ግን መዓልቲ ካናዳ (Canada Day) ተጠሚቓ። ርዝነት ናይቲ በዓል ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደመቐ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ 139 ዕድመ ካናዳ ብዙሕ ኣወንታዊ ለውጥታት መጺኡ። ቁጠብኣ ደንፊዑ፡ ኩሉ ዜጋ ጸጊቡ ዝሓድረላ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነት መጣዊት ድኻታት ሃገራት ክትከውን በቒዓ። ዝነበረ ዘይማዕርነታዊ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ኣሪማ፡ መሰል ደቂ-ሰባት ተኽብር ሃገር ክትከውን ኪእላ። መሰል ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣቦርጅናል፡ ቻይናውያን ካናዳውያን፡ ጃፓናውያን ካናዳውያን ከምኡ’ውን ኣፍሪቃውያን ካናዳውያን በብግዚኡ እናተሓለወ መጺኡ። ሕጂ ብተርእዮ ውሕሉል ምኽባር ሰብኣዊ-መሰልን ርጉእ ምሕደራን ካብተን ኣብ ዓለምና ክትነብረለን ዝባሃጋ ቀዳሞት ሃገራት ክትከውን ኪእላ።

ሎሚ ካናዳ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብዝተፈላለየ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ዓሌትን ሕብርን ዘለዎ ህዝቢ ዝተነድቀ ቀጸላ ሕብረተሰብ ሒዛ፡ ሓድሕዱ እናተኻባበረ ዝኸይድ ዜጋ መልሚላ፡ ነዛ ድሮ ብልጽግቲ ዘላ ሃገር ዝያዳ ዝበለጸት ንምግባር ብጥምረት ኣብ ምግስጋስ ትርከብ ኣላ። ብኣጋጣሚ ሓደ ሓምለ ድማ ንሕሉፍ ቅያታታ ክንዝክር፡ ንዘመዝገበቶ ዓወታት ብኩርዓት ክንጽምብል፡ ንብሩህ መጻኢኣ ኣማዕዲና ክንርእን ቀዳሞት ተዋሳእትን ክንከውን ናይ ነፍስ-ወከፍና ሓላፍነት’ዩ። ርሑስ መዓልቲ ካናዳ!

[email protected]

Page 3: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3

1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650

1993 Toyota Tercel, 4dr. auto, air, white, for only $1,450

1996 Chrysler Interpid 4dr, auto, air, CD, Cassette, leather, sun roof, A 1 condition for only $2,450

ርሑስ መዓልቲ ካናዳ! Happy Canada Day! እናበልና፡ ክትዝውረን ዘብህጋ መካይን ብርትዓዊ ዋጋ ቀሪብናልኩም ኣለና!

ብተወሳኺ፡ ታክሲ ክትዕድጉ ትደልዩ፡ ናይ ዝተፈላለያ ካምፓኒታት ማለት ቤክ፡ ሮያል፡ ዲያሞንድ፡ ኮኣብ፡ ዝተፈላለያ ዓይነት ሞዴላት መካይን

ንዓማዊልና ቀሪብና ስለዘለና ቀልጢፍኩም ርኸቡና! መዓስ’ዚ ጥራሕ፡ ታክሲ ክትዝውሩ ምስ እትደልዩ ውን ቀልጢፍኩም

ተወከሱና። ነዘን ምጭዋት ታክስታት እናሽከርከርኩም ጁባኹም ካሽ ምልእዎ። ንዝያዳ ሓበሬታ 416-782-2200 ደዉሉ! ብድሓን ምጽኡ!

መሓመድኑር ሑርያ

Life Cafeንብሉጽ፡ ጽፉፍ ዘወናውን ቁርሲ፡ ምርጫኹም ኩሉ

ግዜ ላይፍ ካፈ ይኹን!ፉል፡ ፍሪታታ፡ ቅጫ ፍትፍት፡ ፋታ፡ እምበቲቶን ካልእን ብውሕልነት ኣዳሊና፡ ንዓኹም ንምዕንጋል ኩሉ ግዜ

ቅሩባት ኢና። ኣድራሻና፡- 878 Bloor St. W.(at Ossington)

M-F (8a.m - 7pm); Saturday (9:30-8pm); Sun-day: close. For further information፡-

call Hiwet at 416-531-2927

Quality Cars Wholesale2495 Dufferin St. Unit # 2 Tel: 416-782-2200

1995 Saturn 4dr, auto, air fully loaded, blue for only $1450

1999 Ford Taurus 4dr. auto, air, fully loaded, silver for only $2950

Asseb Sports Bar and Restaurant

814 Bloor St. W. (at Ossington)ቤት መግብን ስፖርትን ባር ዓሰብ ካብ 17 መጋቢት 2006 ጀሚሩ ንህዝቢ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ

ከምዝጀመረ ብሓጎስ ነበስር።ንዝያዳ ሓበሬታ፡ 416-535-8287 Fax: 416-535-

9668814 Bloor St. W. M6G 1L9

1993 Nissan Sentra 4dr auto, air, fully loaded black for only $1550

Entrance from Riddelle Ave.

ብ ስ ራ ት ንመርዓውቲ

ብዝበለጸ ኣገባብ ዝተሰርሐ ሓድሽ ናይ መርዓውን መርዓትን ካባ፡ ከምኡ ውን ብምዕሩግ ቅዲ ዝተሰፍየ ንመርዓውን ኣዕሩኽትን ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎ ሓድሽ ክዳን ሓበሻ (እጀ-ጠባብ) ንክራይ ቀሪብና ስለዘለና ዳኒአል

ኢልኩም ተወከሱ! 416-784-3639

1997 Mercury Sable 4dr. auto, air, loaded, gold for only $2,250

2000 Dodge Caravan 4dr, fully loaded, blue for only $4400 2002 Chrysler, Interpid 4dr, auto, air,

fully loaded, blue for only $5900

Page 4: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 4

ፍቕርን ሓዳርን

መጻምድቲ ትደልዩ/ያ?ሃየ መጻምድትኹም/መጻምድትኽን ብዝቐለለን ዝቀልጠፈን መንገዲ ብጋዜጣ መፍትሕ ኣናድዩ/ኣናድያ!

1. ትልእክዎ ደብዳበ፡ ምሉእ ስምኩም፡ ኣድራሻኹምን ቁጽሪ ስልክኹምን ክህልዎ ይግባእ።2. ድሌት ውልቀ-ሰብ ብንጹር ይግለጽ፡ ንሓዳር ወይ ንዕርክነት።3. እቲ ዝቐርብ ውልቀ ሓበሬታ ካብ 50 ቃላት ዘይበዝሕ ኮይኑ፡ ንጹርን ዝርዝራውን ክኸውን ይግባእ።4. እቲ ንጋዜጣ መፍትሕ ትልእክዎ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ኣዝዩ ምስጢራውን ፈጺሙ ዘየሰክፍን ምዃኑ ምፍላጥ።5. ብመሰረት ጠለብ ሓታቲ ወይ ሓታቲት እቲ ናይ ምርኻብ መስርሕ ብኣሰናዳኢ ይጅመር። ክልቲኦም ደለይቲ ብመንጎኛ (ኣሰናዳኢ) ቅድሚ ምርኻቦም፡ ስማዊ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ንጋዜጣ መፍትሕ ይኸፍሉ።6. ድሕሪ ምርግጋጽ ድሌት ተጻመድቲ፡ እቲ ናይ ምርኻብ መስርሕ ንክልቲኦም ኣብ ዝጥዕም ቦታን ግዜን ይፍጸም። ብድሕሪኡ ዝቕጽል ርክባት፡ ንክልቲኦም ይግደፍ።

ትመርጸኒ ዶ ትኸውን9ይ ክፋል

ግብሩ ቆለጭ ኣቢሉ ኣሕሪቕኒ፡ ግን ነቲ ብዛዕብኣ ዝፈልጦን ዝሰምዖን ነገራት ከይኮልፎ ኢለ ድኹም ፍሽኽታ እናርኣኹ ብዓቕሊ ተጸበኽዎ። ገሬ ግን ስሓቕ ምቁራጽ ኣብዩ ምንኽናኽ ቀጸለ። ‘ኣበዲኡ ዘሎ ስቱፒድ’ዩ’ዚ ብሂማን ዘቃጭጭ’ ኢለ ቃል ከየውጻእኩ ብዓይኒ ጽልኢ ጠመትኩዎ።“እዋይ ሕጉስ ዓርከይ፡ ንሂማን ኣፍቂረ ጥራሕ ከይትብለኒ” በለ ገሬ ካብ ማዕበል ስሓቑ ከይወጽአ።

“እወ ፈትየያ ኣለኹ ገሬ፡ ጥራሕ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ብዛዕብኣ ትፈልጦ ንገረኒ፡” በልኩዎ ገጸይ ኣዕትብ ኣቢለ።

“ተጸሊልካ ዲኻ ሕጉስ፡ ጀኒ እንታይ ምስ ኮነትካ ኢኻ ንሂማን ትጥምት? እዚኣ’ኳ ጋሕባ’ያ።” በለ ገሬ ስሓቑ ምሉእ ብምሉእ ኣቋሪጹ ካብቲ ኮፍ ኢሉሉ ዝነበረ ዓራት እናተንስአ። ዘይግብኣ ከቢድ ጸርፊ ምስንዳዉ ንክቆጻጸሮ ኣየኽኣለንን። ሕርቃነይ ገንፊሉ ኣእዳወይ ንሰማይ እናሰንደኹ፡ “ጋሕባ ኣይትበላ’ታ፡ እምበር ዶ ትርጉሙ ትፈልጦ ኢኻ ትስንድዎ ዘለኻ ጸርፊ፡” በልኩ ብሕርቃን ኣእዳወይ እናንቀጥቀጠ። ገሬ ግን ኣይዓጀቦን፡ እንደገና ብስሓቕ ፈልሐ።“እዋይ ኣነ ሓወይ፡ እዚኣ ጋሕባ ዘይተባህለት ድኣ መን ክትበሃል ደሊኻ? መጀመርታ ዓርኪ ሃንስ ኔራ፡ ንዕኡ ሸንዲሓ ናብ ወልዳይ ከይዳ። ምስ ወልዳይ ከላ ንዕኡ እናሽክዐት ምስ ብዙሓት ሰባት ጣጥ ትብል ኔራ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ወልዳይ ጠባያ ምስ ገጠማ ጠንጢንዋ። ንወልዳይ ከማን ንሳ ለኪማቶ’ዩ ዝበሃል። ከይተዘንግዓካ ዓርከይ ኣባ ሕንጁሩ ኣለዋ።” ኢልኒ ናብቲ ሓደ ክፍሊ ሰገረ። ንበይነይ ብሓሳብ ተዓኒደ ደው በልኩ። ሂማን ነዚ ኩሉ ገሬ ዝነገረኒ ባዕላ ኣዕሊላትኒ ኔራ’ያ። ኩሉ መሰረት ዘይብሉ፡ ንፍቕሪ ሓቲቶማ ‘ኖእ’ ስለዝበለቶም ጥራሕ ዝነዝሕዎ ወረ’ዩ ኔሩ። ኩነታት ገሬ ዓርከይ ግን ከተሓሳስበኒ ጀሚሩ። ፍጹም ናብ ዝነደዩ ሰባት’ዩ ተለዊጡ። ከም በዓል ገሬ ዛኣመሰሉ ብዕሉጋት ኣወዳት፡ ዕድል ናይ ክንደይ ንጹሃት ኣሓት በከምዚ ኣራኺሶም ካብ ኩሉ ሓዲግ የትርፍወን ይኾኑ? በልኩ ብልበይ ንታሪኽ ናይ ገለ ኣወዳት ዘኪረ። ሓደ እስቲፋኖስ ዝበሃል ወዲ ምስታ ከም ሕጽይቱ ዝሪኣ ዝነበረ ኣፍቃሪቱ ንመርዓ እናተዳለወ፡ ሓደ ዓርኩ ኣብ ልዕሊ ኣፍቃሪቱ ምትእምማን ዘጥፍእ ወረ ስለዘስምዖ፡ እስቲፋኖስ መንቀሊ ናይቲ ወረ ከየጻረየ ዝሓሰቦ መርዓ ሰሪዝዎ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግን እቲ ብዓርኩ ዝተነግሮ ወረ መሰረት ዘይብሉ ጸለመ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ 10 ገጽ ናይ ይቕረታ ደብዳበ ጽሒፉ

ንኣፍቃሪቱ ነበር ሂቡ ክተዓረቓ ፈቲኑ። ጓል ግን ዝካሓነ ልባ ክምለስ ስለዘይክኣለ፡ “ኣነ ምስ ብናቱ ኣተሓሳስባ ዝኸይድ ሰብ እምበር፡ ምስ ከምዚ ከማኻ ብናይ ኣዕሩኽቱ ሓሶት ተመሊኡ ዝኽየድ ሰብ ሓዳር ክምስርት ኣይደልን’የ” ኢላ ኣፋንያቶ። ንሳ፡ ነብሰ ምትእምማን ስለዘለዋ፡ ነብሳ ስለትፈልጥ፡ ሞራላ ከየውደቐት ህይወታ ትመርሕ ኣላ። እስቲፋኖስ ግን ኣብ ናይ ጣዕሳ ዒላ ሰጢሙ ብእህህታ ይቃዝን ኣሎ። ኣነ ግን እስቲፋኖስ ኣይኮንኩን ብናይ ኣዕሩኽተይ ማዕዳ ዝሰድዕ። ንዘረባ ገሬ ብክልተ መንገዲ’የ ክሪኦ ፈቲነ። ሓደ፡ ኣነ ምስ ሂማን ዕርክነት ክገብር እንተወሲነ፡ ናብራ ክትዘናበሎ’ያ። ምኽንያቱ ኣነ ምስ ገሬ ዝቕመጠሉ ምኽንያት የብለይን፡ ናብ ሂማን ጠቕሊለ ክኸይድ’የ። ከምኣ እንተኾይና፡ ገሬ ካልእ ሰብ ከናዲ ኣለዎ ምስኡ ዝካረ። እቲ ዝመጽእ ሰብ ከምዚ ኣነ ዝገብረሉ ዘለኹ ሕድገታት ኣይክገብረሉን’ዩ። ክራይ ገዛ ክኸፍል ክግደድ’ዩ። በቲ ሓደ ወገን እንተሪእኻዮ፡ ምናልባት ዓርከይ ስለዝኾነ ንጽቡቕ ናተይ ኢሉ ይኸውን’ዩ ይብል። ግን ንዘረብኡ ኣብ ኣእምሮይ ፍጹም ቦታ ኣይሃብኩዎን፡ ብዘአምን መንገዲ ስለዘይነገረኒ። ዝተረፈ ዕላል ከስዕበለይ ናብቲ ሓደ ክፍሊ እግሪ እግሩ ስዓብኩ።

“ስማዕ’ንዶ ገሬ፡ ንስኻ ኸ ሓቲትካያ ኔርካ ዶ?”“እውይ’ዛ ጓል’ዛ ሸርሙጣ፡ ሓቲትኒ ኢላትካ?” በለ ገሬ ብቁጥዐ።“ሱቕ ኢልካ ኣይትጻረፍ፡ ሂማን ከምኡ ዓይነት ዘረባ ኣይትዛረብን’ያ። ኣነ’የ ዝሓተካ ዘለኹ?” በልኩዎ።“ካብ ምንታይ ተበጊስካ’ሞ ከምኡ ትብል ኣለኻ? ኣልዕል ኣቢልካ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ?” በለ ገሬ ገጹ ኣዕቲቡ።“ስማዕ’ንዶ ገሬ፡ ሂማን ትጥመት ጓል’ያ። ምናልባት ፈቲንካ ትኸውን ኢኻ ኢለ’የ” በልኩ ዘረባይ እናዝለቕኩ። እምበር ሓቲትዋ ከምዝነበረ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ’የ።“ስማዕን ዶ፡ ኣነ ብኣኻ ስለዝቐናእኩ ከይመስለካ፡ ናትካ ጽቡቕ ስለዝምነ’የ። እዚኣ ሕማም ኣለዋ ይበሃል’ዩ። እንታይ ኣእተወካ እናተጠራጠርካ ትኣቱ። ድሓር ከኣ ዕምባባ ትመስል ጀኒ ገዲፍካ ነዚኣ ክትጥምት ስለዘይተዋሕጠለይ’የ። እምበር ድላይካ ክትገብር ትኽእል ኢኻ ዓርኬ። ገሬ ዝግድሰኒ ኣይኮነን።” ዓቕሊ ጽበታዊ ዘረባ ሰንዲለይ ናብ ደገ ተዓዝረ። ምስ ገሬ ዳርጋ ሓደ ዓመት ብሓንሳብ ተቐሚጥና ኢና። እቲ ቀደም ዝፈልጦ ዓርከይ ካብ ዘይከውን ነዊሕ ጌሩ’ዩ። ግን ሕሉፍ እናዘከርኩ ብዓቕመይ ካብ ዘለዎ ጸገማት ከናግፎ ይፍትን’የ። ጽቡቑ ስለዝምነ፡ ንዘበገሶ ሃናጺ ሓሳብ ብልቢ ደጊፈ ኣጆኻ ኣስኒቐ

የፋንዎ’የ። ንሱ ግን ኩሉ ግዜ ንዝገብሮ ተበግሶ ምስ ሓንኮለ’ዩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ይኸውን ሓንቲ ጽገሬዳ ትበሃል ጽብቕቲ ጓል ተላልየ ኔረ። ሌላ ንስለ ሌላ እምበር ዝኾነ መደብ ኣይነበረንን። ገሬ ግን ክልተ ሰለስተ ግዜ ብሓንሳብ ስለዝራኣየና ብዙሕ ሻቕሎት ኣትይዎ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣፈደገ ገዛና ኣውሪዳትኒ ብመኪና ክትዕዘር ምስ ራኣየ፡ “እዛ ጓል ኣይትእመና ኣባሓንጅሩ ኣለዋ?” ኢልኒ። ገሬ ሓቲትዋ ከምዝነበረ ድሮ ካብ ካልኦት ሰሚዐዮ ኔረ’የ። ነቲ ዘየድሊ ጸለመ ከኣ ሸለል ኢለ ክሓልፎ ኣይደለኹን። “ስማዕ ገሬ፡ ሓንቲ ጓል ኣብያትኒ ኢልካ ስማን ዘይስማን ኣይትሃባ። ንዓኻ ካልእ ሰብ ኣልዕል ኣቢሉ እንተጸለመካ ጽቡቕ ዶ?” ገሬ ግን ሕቶይ ክምልስ ኣይደለየን፡ “ዓርከይ ንስኻ ሓድሽ ኢኻ፡ ናይዚኣ ትፈልጦ የብልካን” ኢሉ ክሸፋፍን ፈቲኑ። ገሬ ናይ ኩለን ኣዋልድ ፈላጥ ኮይኑ፡ ብሱልን ዘይብሱልን ዘረባ ክዛረብ ስለዝስማዕ፡ ከም ገለ ገርሂ ወይ ሓዳሽ እንተዘይኮይና ካልኣይ መዓልቲ ምስኡ ትወጽእ ጓል የላን። እዚ ዘበገሶ ጭንቀት ከኣ ስም ንጹሃት ደቂ ኣንስትዮ ብጸሊም ቦያ ምልካይ ስርሑ ጌርዎ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ዘረብኡ ገለ ሓቅታት ከይህልዎ ይጥርጥር ኔረ’የ፡ ድሕሪ’ዛ ንሂማን ዘቕረቦ ገምጋም ግን ክፍንፍኖ ተቀሲበ። ሰሙን ምሉእ ብዛዕባ እቲ ምስ ሂማን ንገብሮ ናይ ደም መርመራ ክሓስብ ድቃስ ስኢነ። ሓሳብ ከውርድ ከደይብ ሓንጎለይ ብስራሕ ስለዝተጸምደ፡ ምስ መሳርሕተይ ከም ቀደም ኣይተዋዘኹን። ዝተዋህበኒ ስራሕ ይሰርሕ፡ ዝተሓተትኩዎ ሕቶ ይምልስ። ኣቡኡን ኣዲኡን ከም ዝገሽዎ ህጻን ዝን ይብል። እዚ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ጠባየይ ንመሳርሕተይ ከተሓሳስቦም ጀሚሩ። ግን ምስ ናይ ኣቦይ ምሕማም ስለዘተኣሳሰርዎ፡ ኩሉ ግዜ ምሳይ ምስተደናገጹ’ዮም። እታ ብሻቕሎት ዝጽበያ ዝነበርኩ መዓልቲ ቆጸራ ኣኺላ። ኣነን ሂማንን ተታሓሒዝና ናብ ሓኪም ከድና። ሂማን ገጻ ደስታ ወሪርዎ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እዝና ፍሽኽታ እናለገሰት ብኢደይ ሒዛትኒ ናብ ክሊኒክ ትኣቱ። ፍርሒ ንእግረይ ሓሊኹ ምስጓም ከልኣኒ። ኣካላተይ ፍጹም ተኣስረ። ኣብ ገጸይ ከቢድ ራዕዲ ተንጠልጢሉ ኔሩ። ከም ከናብ ቆልዓ ከኣ ብኢደይ ብሂማን እናተሰሓብኩ ኣተኹ። ናይ ጥዕና ካርድና ኣርእይና፡ ተመዝጊብና ኮፍ በልና። ቃል ከይተዛረብኩ ነዊሕ ስለዝጸናሕኩ፡ ሂማን ስክፍታ ዓሲልዋ ነቲ ብፍርሒ ዓዝዒዙ ዝነበረ ገጸይ እናደረዘት፡ “ድሓን ዲኻ ሕጉስ? እንታይ ድኣ ሱቕ ኢልካ?” በለት ነቲ ጥዑም ድምጻ ጣዕሚ

እናወሰኸት። መልሲ ንምሃብ ሓሳበይ እናሰላሰልኩ፡ “ሕጉስ ባህታ” በለት ነርስ ካብ ሓደ ክፍሊ ወጺኣ ብዓውታ ስመይ እናጸውዐት። ቀልጢፈ ‘ኣቤት’ ኣይበልኩን። ካብ ኮፍ መበሊየይ ብድድ ኢለ ኣድመጽኩ። ሒዛትኒ ናብ ላባራቶሪ ኣተወት። ትርግታ ልበይ ብናህሪ ክትሃርም ጀሚራ። ነርስ፡ ዝተዓሸገ መርፍእ ከፊታ ኣብ ስሪንጋ ኣዋደደቶ። እታ ነርስ ምኩርቲ ምዃና ካብ ኣተሓሕዝኣ ትፍለጥ።

ቀልጢፋ ኣብ ቅልጽመይ ብምድራዝ ኣብ ቨይነይ ነቲ መርፍእ ተኺላ ኩባያ ምሉእ ዝኸውን ደም ቀድሐት። ሂማን ውን ደድሕረይ ብምእታው ተመሳሳሊ ዓቀን ደም ኣረከበት። ነርስ፡ ውጽኢት ንምፍላጥ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ክንመጽእ ነጊራ ኣፋነወትና።

ይቕጽልሕጉስ

ኣነ ክጽሕፎ ደልየ ዘለኹ ብዛዕባ ዘለና ጸገም ምርኻብ ኣዋልድናን ኣወዳትናን’ዩ። ምናልባት ቅሩብ ፍታሕ እንተተረኽቦ ከኣ ገለ ወስ ክብል’የ። ካብ ትዕዝብተይ ተሞርኪሰ ኣብ ገለ ኣወዳት ዝርእዮ ድኽመታት ክትንትን ክፍትን’የ። ጌጋታት እንተለኒ ድማ ባዕልኹም ኣሩምኒ።

ኣሕዋት፡ ንሓንቲ ጓል ሃንደፍ ኢልኩም ኣይትሕተቱ። ብመጀመርታ እንታይነት ናይታ ጓል ከይፈለጥኩም፡ ሓዳሽ ጓል መጺኣ ኢልኩም ንፍቕሪ ኣይትሕተቱ። ቅድሚ ሕጂ ሪእኹማ ኣይትፈልጡ፡ ንሳ ውን ሪኣትኩም ኣይትፈልጥ፡ እንታይ ገዲፋ መጺኣ ኣይትፈልጡ፡ ንሳ’ውን እንታይ ኣቐሚጥኩም ኣለኹም ኣይትፈልጥ፡ ከመይ ጌራ ሕራይ ክትብለኩም ኢልኩም ትሓቱ? እዞም ብስም ሓዳሽ ሰብ መጺኣ ኢልኩም ከተዘንግዑ ትሓስቡ ሜላኹም ቀይሩ። እሩም ጠባይ፡ እሩም ኣቀራርባ እንተተኸቲልኩም ሓዳሽ ትኹን ነባር ጓል ንሕቶኹም ብኣወንታ ክትምልሶ ኢያ። ንፍቕሪ እንተሓቲትኩማ፡ ሕራይ ክትብለኩም ትኽእል’ያ። ንስኹም ተድልየኩም ዘላ፡ ሓዳሽ ትኹን ነባር ምሳኹም ተሳንያ፡ ፍቕሪ ትምግበኩም፡ ጠባይኩም ኪእላ ትኸይድ’ያ። እዚኣ ግን ሓዳሽ ስለዝኾነት ተማልኣልኩም ማለት ኣይኮነን። እታ ሓዳሽ ጓል ውን ከምኣ ሓዲሽ ሰብ’ያ ትደሊ።

ኣነ ዝሓሸ ዝብሎ ፍታሕ ንኣዋልድን ኣወዳትን ከቃራርበና ዝኽእል እቲ ርክብ ብሕውነታዊ መንገዲ እንተጀሚሩ’ዩ። ቀስ ብቀስ ድማ እቲ ፍቕሪ ግዚኡ ሓልዩ ክምዕብል ይኽእል’ዩ። ንጓል ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ሪእኹም ‘ኣፍቂርናኪ፡ ፈቲናኪ’ ኣይትበልዋ። ምኽንያቱ እታ ጓል ስምዒትኩም ንምርዋይ እምበር ብልቢ ዘፍቀርኩማ ኮይኑ ክስማዓ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ’ዩ ከኣ ትረኽብዎ ዘለኹም መልሲ ኩሉ ግዜ ‘ኖኖ’ ዝኸውን ዘሎ።

እንተድኣ ንሓንቲ ጓል ፈቲኹማ ንሻሂ እናውጻእኩም ቀስ ኢልኩም ኣለማምድዋ። ሽዑ ባዕላ እታ ጓል ንፍቕሪ ከይሓተትኩማ ክትዕድመኩም’ያ። ካልኣይ መንገዲ ከኣ፡ ብኣካል ምልላይ ዘፍርሓኩም እንተኾይኑ ብተሌፎን እናዕለልኩም ኣለማመድዋ። ግን ባህልና ኣብ ግምት ኣእቲኹም ንሳ ክሳብ ትድውለልኩም ከይተጸበኹም ባዕልኹም ክትድውሉላ ፈትኑ። ቀልጢፍኩም ተስፋ ኣይትቑረጹ። ብዓቕሊ’ዩ ኩሉ ነገር ዝብጻሕ። ካብ በበይንኻ ኣብ ጽምዋ ምንባር ዝኸፍእ የለን። ይትረፍ በበይንኻ፡ ምስ መጻምድትኻ ከለኻ ውን ኢድካ እናደርበኻ ዝኽየዶ ዓዲ ኢና ዘለና። እሞ ኣሕዋት ቀልጢፍና ፍታሕ ንርከበሉ።

ሓፍትኹም ሳሌም

ኣገባብ ኣተሓትታ ቀይሩ ኣሕዋት

Page 5: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

2000 Realty Inc., REALTOR Indepen-dently Owned and Operated

ገዛ ቅድሚ ምግዛእኩም፡ ዝኾነ ተቐማጢ ገንዘብ ከየሕለፍኩም፡ ናትኩም ገዛ ከመይ ጌርኩም ክትውንኑ ከምትኽእሉ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ መጊቡ ብውሕሉል መንገዲ ክሕግዘኩም ዝኽእል፡ እቲ ምቕሉል በዓል ሞያ ሰለሙን ሃብቶም ምስግና ቅልጡፍ፡ በሊሕ በዓል ሞያ ምዃኑ ትፈልጡ ዶ?

ስለዚ፡ ገዛ ክትሸጡ ወይ ክትገዝኡ ምስ ትደልዩን ዘለኩም ባጀት ከመይ ጌርኩም ከምተማሓድርዎን ምኽሪ ክትረኽቡ ናብ ሰለሙን ምጽኡ።- ንመጀመርታኹም ገዛ እትገዝኡ

ሰባት ድሌትኩም ንምምላእ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ይተሓባበር።- ክትገዝእዎ ትደልዩ ዓይነት ገዛን ሞዴልን ንሰለሙን ደዊልኩም እንተሓቢርኩም፡ ብዝቐልጠፈ ኣብ ዝደለኹሞ ኣከባቢ ክረኽበልኩም ይኽእል።- ሰለሙን፡ ኣብ ምዕዳግን ምግዛእን ገዛ ብዝቐለለ መንገዲ ዘሰማምዕ ሓያል ተዛታዪ’ዩ።- ገዛ ክገዝኡ ወይ ክሸጡ ናብ ሰለሙን ዝኸዱ ሰባት፡ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሑ ዝተመልሱ ሰባት ብፍጹም የለውን።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቁጽሪ ስልኪ416-743-2000 ደዉሉ!

1885 Wilson Ave. (Weston & Jane)Tel: 416-743-2000

ሰለሙን ሃብቶም ምስግና

መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 5

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና!

ሰላም ትራቨል

ንስሉጥ፡ ሕሱርን ምቹእን በረራ ንሰላም ትራቨል ተወከሱ!

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጀሚርናዮ ዘሎና ንዓበይትን ንንኣሽቱን ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ብምቕጻል፡ ነዚ ወርሒ ሓምለ ሓደስቲ ተመሃሮ ንቕበል ከምዘለና ከነብስረኩም ንፈቱ። እዚ ብግብሪን ክልሰ-ሓሳብን ዝወሃብ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ Piano, Guitar, Bass Guitar, Saxophone, Clarinet, Flute(Recorder) ዘጠቓለለ እዩ።ብሓጺር መንገዲ ስርዓት ትምህርቲን ብኣዝዩ ትሑት ዋጋን ክትመሃሩ ትደልዩ ዕድልኩም ሕጂ ተጠቐሙሉ፡ ቦታ ከይመለአ ቀልጢፍኩም ተመዝገቡ።

ንዝኾነ ሓበረታ ንምርካብ ኣብ ቊጽሪ ስልኪ (416)- 671-3202 ወይ (647)-435-3583 ብምድዋል ንደብረጽዮን ወይ ንኣዜብ ተወከሱ።ብተወሳኺ E-mail [email protected] or [email protected] ክትጽሕፉልና ትኽእሉ።

ሙዚቃ ንፍልጠት! ሙዚቃ ንጥዕና! ሙዚቃ ንሕውነት! ሙዚቃ ንምዝንጋዕ! ሙዚቃ ንሞያ!!!!!!!!!

ብተወሳኺ ድማ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንቖልዑ ጀሚርና ከምዘለና ከነበስረኩም ንፈቱ። እዚ ብብቑዓት መማህራን ተጀሚሩ ዘሎ ትምህርቲ፡ ዘለዎ ቦታ ድሩት ስለዝኾነ ቀልጢፍኩም ተመዝገቡ።

Music Lessons for Beginners!!!Learn how to play Piano, Guitar, Bass Guitar, Saxophone, Clarinet, Flute (Recorder) in just few weeks.These lessons cover music theory, technique, practical application, scales, rhythm, melody, chords, key signatures and much more……For further information or registration call now. We have very limited space!

Call Deb or Azieb @ (647)-435-3583 or (416)-671-3202E-mail [email protected] or

[email protected]

ትምህርቲ ሙዚቃ ንጀመርቲ

Page 6: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 6

A new elegant Assab Sports Bar and Restau-rant opens its full ser-vices. For the delicious food, live sports (Boxing, soccer) in a big screen and refreshing environ-ment come and visit us.

Not only that, there is new banquet, dance hall which can accomodate up to 70 people for a pri-vate party, birthday party and any occasion of your dream. The hall can be rented separately.

Open 11 am to 2 am

ቤት መግብን ባርን ዓሰብ ብዘመናዊ ኣገባብ ተሃኒጻ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጀመረት ሰሚዕኩም ዶ?

ሸውሃትኩም ዝኸፍት ብሉጽ መግብታት ተአንግድ። ኩዕሶ እግርን መኸተ ጉስጥን ብዝበለጸ ብቀጥታ ምእንቲ ክትከታተልዎ፡ ሰፊሕ ስክሪን ቀሪባ ንዓማዊላ ተዘናግዕ።

መዓስ’ዚ ጥራሕ፡ 70 ሰባት ከአንግድ ዝኽእል መሳዕስዒ ኣዳራሽ፡ ንኩሉ ክትገብርዎ እትደልዩ ውራይ ጥምቀት፡ ናይ ዕለተ ልደት ዝኽሪ ከምኡ ውን ውልቃዊ ጽምብላት ብደስታ ከተሕልፍሉ ብጽፈት ኣዋዲዳ መርሓባ ትብለኩም ኣላ። ኣዳራሽ ንበይኑ ምክራይ ይክኣል።

ንኸፍተሉ ግዚ 11 ናይ ንግሆ ክሳብ 2 ናይ ንግሆ

ብድሓን ምጽኡ!

Asseb Sports Bar and Restaurant

ዓሰብ ስፖርት ቤት መግብን ባርን814 Bloor St. W. (at Ossington)

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ 416-535-8287 Fax: 416-535-9668814 Bloor St. W. M6G 1L9

ዓገብዓገብ በሉልና ወድና ጓልናዓገብ ዓገብ እወ ንኹልና

ሓውኻ ሓፍትኻ ዶ ኣሕሊፍካ ትህብ ንጓናባህሊ እንከሎና ናይ ስድራቤትና

እንታይ ኢና እንረክብ ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣብጺሕናኣብ ጠመተ ነእትዎ ከምዘይብጻሓናገበነኛ ነቁጽሮ ኣብ ደብተር ጓና።

ዓገብ ዓገብ ዓገብ በሉ ከይድገምሓውና፡ ውላድና፡ ሓፍትና ብመቑሕ ከይነእስር።

ለባም ዶ ስኢንና ዓገብ ዝብልፍርድ-ቤት ንወስዶ ነገር ንኽንክንብልኣየምሕረልናን’ዩ ሃየ ልቢ ንግበር

መናብርቲ ኢና ቀመስቲ ሓደ ጸበል።

ዘይጻልኡ መላእኽቲተጻሊኦም ዘይዕረቑ ኣጋንንቲንየው ንበሎ ንሕማቕ መዓልቲ

ኣፍና ንዕጾ ኣይንኹን ዘይሰማዕናዮ መስከርቲንኹን ሓውን ሓፍትን ኩላትና ኢና መሳድድቲ።

ብመድህን ገብረስላሰክንክእል ኣለና፡” ኢሉ። ቀጺሉ ፕሮፈሰር መንግስትኣብ፡ ኣብዚ እንታይ እንተገበርና ኢና ክንመሓየሽ ንኽእል እናበልና ነዚ ዘሎ ሰፊሕ ዕድላት ናይዚ ዓዲ ክንጥቀመሉ ረዚን ምኽሪ ለጊሱ። ንሱልጡን ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ካብ ገዛና ከይወጻእና ብመንገዲ ኦንላይን ነብስና ከነማዕብለሉ ንኽእል ሰፊሕ ባይታ ከምዘሎ ወሲኹ ኣዘኻኺሩ። ንኣሽቱ ቢዝነስ ንምጅማር ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ዘለዎ ዝርዝር ዌብሳይታት ቅዳሕ ንተሳተፍቲ ቀሪቡ። ፕሮፈሰር መንግስትኣብ ቀዳማይ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ማስተርን ዶክተረይት ዲግሪን ኣብ ጀርመን ዩኒቨርስቲ ቬላ ኦፕርያ ዝረኸበ ኮይኑ ናይ ልዕሊ 24 ዓመታት ናይ ምምሃር ተመኩሮ ዘለዎ፡ ኣብ ምጽሓፍን ምምርማርን ቢዝነስ ብሰፊሕ ክነጥፍ ዝጸንሐን ዘሎን ሓደ ካብ ንምክሓሎም ምሁራትና’ዩ። ካብ 2002 ጀሚሩ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋተርሉ ኦንታርዮ ንተመሃሮ ኢንጂነሪን ቢዝነስ ይምህር ኣሎ። (ንዝርዝር መግለጺ ፕሮፈሰር መንግስትኣብ ኣብ ዝቕጽል ሕታምና ተኸታተሉ)።

እዚ ብማሕበር ነርሳት ኤርትራ ዝተወደበ ኣጋጣሚ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀንዲ ዕላምኡ ንቤት ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ ናይ ክሊናካዊ ላፕ ዓቕሙ ንምምዕባል ማልያታት ምሻጥን ናይ ድራር ግብጃ ወዲብካ ክሳብ

ማሕበር ነርሳት ኤርትራ . . .ካብ 10ይ ገጽ ዝቐጸለ

$5000 ዶላር ገንዘብ ምውጻእ፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣጋጣሚ ብሱል

ፕሮፈሰር መንግስትኣብ ተስፋዮሃንስ

ኣስተምህሮ ዶ/ር ዓብዱላሂን ፕሮፈሰር መንግስትኣብን ክሰምዑ ዕድል ምኽፋቱ’ዩ። ብዙሕ ኣማራጺ ዕድላት ምቕራቡ፡ ተሳተፍቲ ዝማእምኦም ንከልዕሉ ኣኽኢልዎም’ዩ። ብተወሳኺ፡ ንተሳተፍቲ ብወናም ድምጹ ብወለንትኡ ከዘናግዕ ዝመጽአ ድምጻዊ ኣማን ጎይትኦም ውን ነቲ በዓል ተወሳኺ ድምቀት ፈጢርሉ ኣምስዩ።

እቲ ሚኒስትሪ ናይ መማህራን ዶሞዝ ክኸፍል መብጽዓ ከምዝኣተወ መምህር ባህልቢ ጠቒሱ።“ሕጂ ብዝሒ ተመሃሮ ሪእና፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ቦርድ ብምምልካት፡ ቶሮንቶ ካቶሊክ ስኩል ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኮይኖም፡ ንቋንቋ ትግርኛ ከም

ኢንተርናሽናል (ወግዓዊ) ቋንቋ ክንምህሮ ተቐቢሎምና ኣለዉ። ካብ ዝመጽእ መስከረም ድማ ባዕሎም ንመማህራን ክኸፍሉልና’ዮም።” ድሕሪ ምባል ሓሙሽተ ክፍልታት ከፊቶም ንኩሉ ግዱስ ቋንቋ ትግርኛ ክምህሩ ምዃኖም ወሲኹ ገሊጹ።

110 ቆልዑ . . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ክምርዖ ዶ?መጻምድቲ ከምጽእ

መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅዕ።

ክምሕል ክጥሕል ምስ ሓንቲ ክጥቕለል።

በቃ ሓዳር ክገብርከም ኣቦይ ክመስል።

እንድዒ!ይፈርሕ ከይእሰር

ናጽነተይ ከይምንጠልደረት ትርኢተይ ከይድልደል

ምንቅስቓሰይ ከይሕጸር።

ግን!እንተረኺበ ትርድኣኒዘይብላ ቀናእ ዓይኒቀስ ጌራ ተላምደኒ

ሕሩመይ’ለ ሕጂ ይምርዖ፡ ቃል ትኹነኒ።

ኤቨን ተስ

Page 7: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 7

MICE @ WORK INC 1578 EGLINTON

AVE M6P 2G8,

TORONTO, ONT TEL: 416-782-5959

OTHER SERVICES

VCR CONVERSION(PAL TO NTSC)

VCR TO DVD CONVERSION RESUMES PROFESIONAL LETTERS LETTER TRANSLATIONS IMMIGRATION FORMS

DOWNLOADING, AND ASSISSTANCE COMPLETING THE FORM

DV LOTTERY FORM ASSISTANCE *

COMPUTER RETAIL DEPARTMENT

SALES (MONITORS, PRINTERS, ACCESSSORIES, NEW AND USED)

UPGRADESREPAIRSVIRUS REMOVALNETWORKINGBACKUP & RECOVERY DATAWINDOWS INSTALLATIONONSITE SERVICE

ንኩሉኹም ዓማዊልና ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክኾነልኩም እናተመነና ብሉጻት፡ ሕሱራት ኮምፕዩተራት ቀሪብና ከነአንግደኩም ተዳሊና ኣለና። እዘን ዘወናውና ኮምፕዩተራት ከየምልጣኹም ተቃላጢፍኩም

ብጽሑና። ቀልጥፉ! ቀልጥፉ! ቦክሲን ደይ ጌና ይቕጽል’ዩ ዘሎ። 416-782-5959

INTERNET LOUNGE

E-MAIL CHAT HIGH SPEED INTERNET OFFICE APPLICATIONS FAX – COPY - PRINT CD & DVD BURN

DELL-Intel Pentium III 1Ghz256mb/20hdd/DVD-Rom $449.00+IBM-Intel Pentium III 900 MHz256mb/20hdd/DVD-Rom $339.00+

P4 SYSTEMS-AMD 2800+-512 DDR 400-80 GB HDD-PIONEER DVD+RW 16X DUAL-17” DELL CRT FLAT MONITOR-MOUSE & K/B $399.00

P4 System-Intel P4 3.0 533/800 FSB-512 DDR 400 MEMOR-80 GB HDD-PIONEER DVD+RW 16X DUAL-17” DELL FLAT CRT MONTOR-MOUSE & K/B $599

ንጽገና ኮምፕዩተር፡ ንምግዛእ ሓደስቲ

ኮምፕዩተር: ንኣገልግሎት

ኢንተርነት፡ ፋክስ፡ ፎቶ ኮፒ ኩሉ ግዜ ማይስ ኣት ዎርክ ምረጹ! ብውሕሉል ኣቀባብላናን ስሉጥ ኣገልግሎትናን ከምትዓግቡ

ርግጸኛታት ኢና!

ኣድራሻና 1578 EGLINTON AVE

at Oakwood416-782-5959

ብስራት ካብ ማይስ ኣት ዎርክ MICE @ WORK INC

DEAR CUSTOMERS:

WE ALSO DO SECURITY CAMERA

INSTALLATION FOR HOME OR

BUSINESSFOR MORE INFO

CALL US!

Page 8: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006: Page 8

ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪአል ብ11 ሰነ ኣብ ጎደና ሰይንት ክለርን ላንስዳውንን ዝርከብ ሰፊሕ ጎልጎል፡ ዓመታዊ ዝኽረ-በዓሉ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ኣኽቢሩ። እዚ ሰዓት 4 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ኣጋ ምሸት ዝቐጸለ ዓመታዊ ንግደት፡ ብጸሎት፡ መዝሙር፡ ቅዳሰን ሃይማኖታዊ ትምህርትን ካህናት፡ ህጻናትን ምእመናን ማዕሪጉ፡ ንኣስታት 500 ሰባት ዘአንግድ መግቢ ተዳልዩ ንኤርትራውያን ካናዳውያን ኣተሓቛቒፉ ውዒሉ።

“እዚ ዓመት ዓመት ነኽብሮ በዓል’ዩ” ይብል ዋና ጸሓፊ ሰበኻ ጉባኤ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪአል ኣቶ ሃይለ ዘወልዲ ዕላማ ናይቲ በዓል ክገልጽ ከሎ። “ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በዓል ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ንምኽባር፡ ካልኣይ ድማ ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ እዚ ህዝቢ ብሓንሳብ ተራኺቡ

ኣብዚ ከምዝውዕል ንምግባር’ዩ። ብጣዕሚ ደስ ዘብል’ዩ።”

ኣማን ብኣማን ደስ ዘብል’ዩ። እቲ ደስታ ኣብቶም ተዋሳእቲ ናይቲ በዓል ጥራሕ ግን ኣይተደረተን፡ ሓለፍቲ መንገዲ ውን በቲ ካብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ንታቦት ኣሰንዩ ንጎደና ሰይንት ክለር ቆሪጹ ናብ ጎልጎል ኮምኒቲ ማእከል ጆሰፍ ፒሲኒኒ ዝኸይድ ዝነበረ ምዕሩግ ሰልፊ ምእመናን ተዘኒቦም ብኣንክሮ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ይንጸባረቕ ኔሩ። ጎደና ሰይንት ክለር ንገለ 10 ደቓይቕ ተዓጽዩ፡ ብምብራቕን ምዕራብን ዝመጽኣ ዝነበራ መካይን ተዓጊተን። መንገዲ ብምዕጻዉ ዘዕዘምዝም ሰብ ግን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ፡ ነቲ ማራኺ ልብሲ ካህናትን ኣደታትን ክዕዘቡ ካብ መካይኖም ወጺኦም ናብቲ ብዘገምታ ብሳዕስዒትን መዝሙርን ተሰንዩ ዝሓልፍ ዝነበረ ታቦት የቋምቱ ኔሮም።

እግረኛታት ውን በቲ ማራኺ ቅዱስ ምርኢት ተሳሒቦም ምስ ህርመት ኮበሮ ምንዝናዝ ኣየቋረጹን። ኢጣልያዊ ፕላቭዮ

ምስ ጓሉ ሪታ ካፕሮቪንጎ ጀላተ

እናልሓሰ ኣብ ማርሸቨዲ ተጸጊዑ ብስምዒት ክነዛነዙ ካብ ዝጸንሑኒ ሓደ’ዩ። “ኩሉ ነገር!” ቀንዲ ዝመሰጦ ነገር

እንታይ ምዃኑ ምስሓተትኩዎ ዝሰንደወለይ መልሲ’ዩ። ቀጺሉ፡ “ብጣዕሚ ምልኩዕ ስነ-ስርዓት’ዩ። ሕብራዊ። ደስ

ይብለካ። እቲ ሓቀኛ ስምዒት ናይ ክርስትና የርእየካ። ኣነ ንባዕለይ ክርስትያን’የ፡ ግን እዚ ዝያዳ ደስ ኢልኒ ኣሎ።” ኣዒንቱ ናብ ሃረምቲ ኮቦሮ ጠውዩ ገዲፍኒ ክወዛወዝ ጀሚሩ። ክኾልፎ ኣይደለኹን፡ ገጸይ ናብ ጓሉ ሪታ ካፕሮቪንጎ ኣዝዊረ ዝተሰምዓ ኩነታት ክትገልጸለይ ተወኪሰያ።

“እዚ ሕብረ-ባህላዊ ስነ-ስርዓት ስሒብኒ ብተመስጦ ይዕዘቦ ኣለኹ፡” ትብል ሪታ ካፕሮቪንጎ ኣካላታ ምስ ናዕታ ኮበሮ እናንቀሳቐሰት። “ብጣዕሚ ጽቡቕ’ዩ። ብዝያዳ መሲጥኒ ዘሎ ግን እቲ መዝሙርን ሳዕሲዕትን’ዩ። ከምዚ ፈጺመ ርእየ ኣይፈልጥን’የ።”

ኣብታ ሓጻር ግዜ፡

ከም ሪታ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ንእንታይነትን እምነትን ኤርትራውያን ካናዳውያን ዘይፈልጡ፡ ጥምዓዊ ኣፍልጦ ክረኽቡ ኣኽኢልዎም’ዩ። ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን ውን ባህልና ንካልኦት ዓሌታት ንምልላይ ኣዕሩኾምን መሓዙቶምን ሒዞም ናብቲ ጽምብል ዝመጽኡ ኔሮም። ሓንቲ ካብኦም ኣባዲት ከበዶም’ያ። “ንሚስ ሮቢንሰን ሒዘያ ዝመጻእኩሉ ምኽንያት ምእንቲ ባህልና ክትርኢ’የ። ባህልና ክትፈልጥ ድሌት ኣለዋ፡” ትብል ኣባዲት። ሚስ ሮቢንሰን በቲ ትርእዮን ትሰምዖን ዝነበረት ሳዕስዒት ተሰሊባ ምስ ህርመት ከቦሮ ተጣቕዕ ኔራ። ቀንዲ ዝመሰጣ ነገር ክትገልጸለይ ተወኪሰያ ኔረ። “ብዙሕ ነገር ዩ መሲጥኒ ዘሎ፡” ትብል ሚስ ሮቢንሰን ነታ ኣብ ግንባራ ትሃርም

ዝነበረት ጸሓይ ንምክልኻል ቆቢዓ እናስተኻኸለት። “ቀንዲ ግን እዚ ህዝቢ’ዩ። ብጣዕሚ ጽቡቓት ህዝቢ። እቲ ጻዕዳ ክዳን

ኣዝየ ፈትየዮ ኣለኹ። ኩሉ እዚ ስነ-ስርዓት ባህ ዘብል’ዩ።”

ታቦት ብምእመናን ተዓጂቡ ካብ ቤተክርስትያን ናብቲ ሰፊሕ ሻኻ ድሕሪ ምጉዓዙ፡ ካህን ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል መርጌታ ቀሺ ይብራህ ጎይትኦም ንዕዱማትን ተሳተፍትን ናይ ምስጋና ቃል ኣስሚዖም።

“ክሳብ’ዛ ዘለናላ ሰዓት” ይብሉ መርጌታ (ቀሺ) ይብራህ “ብዘይ ዕረፍቲ ናይ ጥንታዊትን ኦርተዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ዓመት ዝግበር ስርዓተ ዋዜማን ሓንቲ ከየጉደልኩም፡ ካብ ሰዓት 4 ናይ ንግሆ ጀሚርኩም ብዘይ ዕረፍቲ ግቡእ ስርዓት ማህሌትን፡ ዝማረን፡ ውዳሰን፡ ዕጣንን፡ መስዋእትን፡ መዝሙርን ቅነን ብዝድለ ብምብጻሕ ግቡእ ኣገልግሎት ዝሃብኩምና ልባዊ ምስጋና ይብጻሕኩም” ክብሉ ንክቡር መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስ ቅዱስ ካብ ቤተክርስትያን ጽርሃ ሃርያን ቅድስቲ ስላሴ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ክቡር ሊቀ ሄዋን ቀሺ ሙሴ ወልደሩፋኤል ካብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ዳላስ ቴክሳስ፡ ክቡር መምህር ጌታ ቦኽረ ክፍሉ ካብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪአል ጥንታዊት ኦሃዮ፡ ክቡር ዲያቆን ተኽለብርሃንን ካልኦትን ምስጋንኦም ገሊጾም።

ኣቶ ሃይለ ዘወልዲ ዋና ጸሓፊ ሰበኻ ጉባኤ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ብወገኑ ንተሳታፍነት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቅድስቲ ማርያም፡ ቤትጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቶረንቶ፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኦንታርዮ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ግዱሳት ዜጋታትን፡ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምስማዕ ሓጺር ጸብጻብ ቤተክርስትያን ኣቕሪቡ። “. . . ብመንእሰያት ዝቆመ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ክፍሊ መዘምራን ጽቡቕ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ቁጽሪ ኣባላትና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰሰነ ይኸይድ ኣሎ። ብኡ መጠን ድማ ናይ ኤኮኖሚ ዓቕምና ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ክንገልጽ ንፈቱ፡” ኢሉ። ቀጺሉ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ናይ ገንዘብን ንብረትን ወፈያ ዝገበሩ ምስጋንኡ ብምልጋስ ንዓመታ ብሰላም ሓቢርና ክነብዕሎ ፍቓድ ቅዱስ ሚኪአል ክኸውን ኣቶ ሃይለ ምንዮቱ ገሊጹ።

ህጻናት በቲ ጸያፍ መልሓሶም ዘቃልሕዎ ዝነበሩ መዝሙር መንፈስካ ዝነክእ’ዩ ኔሩ። ማራኺ ልብሶምን ንጹህ ሕልንኦምን ነቲ ኣጋጣሚ ህይወት ዘሪኡ ልቢ ናይቲ ዓጒጉ ዝዕዘቦም ዝነበረ ህዝቢ ሰሊቡ ውዒሉ። እዚ ምኽንያት መ ጠ ራ ና ፊ ኮይኑ ዝወዓለ ቤ ተ ክ ር ስ ት ያ ን

ሓድነት ዘደልድል ባህሊ ዘሰስን መንፈሳዊ በዓል

ሃይለ ዘወልዲ ዋና ጸሓፊ ሰበኻ ጉባኤ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል

ሳራ ተስፋማርያም

ኢጣልያዊ ፕላቭዮ ምስ ጓሉ ሪታ ካፕሮቪንጎ

ኣባዲት ከበዶም ምስ ሚስ ሮቢንሰን

ኣለምጸሃይ ኣፍወርቂ

ሰለሙን ሃብተስላሰ

(ካብ የማን ቀዳመይቲ) ገነት ገረዝጊሀር ንዕዱማት ጸብሒ እናጸብሐት

ኣልማዝ መንግስቱ

ናብ ገጽ13 ይቕጽል

ብኣሮን ብርሃነ

Page 9: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

ClassifiedMeftih 2.11 July 2006: Page 9

Uhuru Sport’s BarPool and Billiards

Tel: 416-652-6594380 Oakwood Avenue

Toronto, Ontario M6E 2W3Under new management

JAMAL’S AUTO SERVICES

Domestic & Imported Cars Repairs & Maintenance

185 Weston Rd. Toronto, ON. M6N 3P1Call Jamal at 416-604-4553

Besrat Bookkeeping Services

* Bookkeeping* Personal & Business Tax Returns

* General AccountingBesrat Solomon, BA

905-893-4128

Sunlight Pan African Foods

እንጀራ፡ ባህላዊ ክዳን፡ ጀበና፡ ቡን፡ ዕጣን፡ ሕምባሻን ካልእን፡ ከምኡ ውን ዝደለኹሞ ዓይነት ቪድዮ፡ ሲዲን ዲቪድን ከም ነካርን ንሸይጥን ንዓማዊልና ነበስር።1929 Davenport Rd. Toronto, ON. M6N

1C3Tel: 416-844-8070 or Cell: 416-893-3820

Adane Abraham & Tsehaynesh G.

Stella VarietyGrocery Store & Dollar Store

Stella VarietyGrocery Store & Dollar Store

Abduselam1985 Davenport Rd. Toronto, ON. M6N

1C5Tel:- 416-656-7673

HOME RENOVATIONSብውሕሉልን ብሉጽን ኣገባብ ገዛኹም ከተመልክዑ ምስ

እትደልዩ-Dry wall, Framing, Taping, Painting, Ceramic,

Tiling, Hard wood Sanding & Polishingኩሉ ዝደለኹሞ ዓይነት ኣገልግሎት ንህብ ኢና።

ብስሉጥ ኣገልግሎትና ከምትዓግቡ ርግጸኛታት ኢና። ሃየ ቀልጢፍኩም ደዉሉ! Aaron: Tel: 416-242-2465/Cell:

647-290-2465

Helen S. KimBarrister Solicitor Notary

3335 Yonge Street, Suite 401Toronto, ON M4N 2M1

Tel: 416-913-4902Email: [email protected]

Digital Images Pro.|ናይ መርዓ ቪድዮ ንስእል፡ ካብ ንእሽተይ ናብ ዓቢ ቪድዮ ነሰጋግር፡ ካብ ናይ ኤውሮጳ ናብ ናይ ሰ.ኣመሪካ ሲስተም

ንልውጥ፡ ካብ ቪድዮ ካሴት ናብ ዲቪዲ ነሰጋግር። ከምኡ’ውን ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት፡ ኮምፕዩተር ግራፊክስ፡ ናይ መርዓ

ዕድመ ወረቐትን ስእሊ ፓስፖርትን ኣገልግሎት ንህብ።ተጠቀምቲ ውሕሉል ኣገልግሎትና ክትኮኑ፡ ናብዚ ዝስዕብ

ኣድራሻና ተጓዓዙ!2863 St. Claire Ave. E.

Tel: 416-750-4751

ፒያሳ PIASSAየኢትዮጵያ ቅመሜ ቅመምና የባህል ምግብ ቤት

Authentic Spices & FoodsWe specialized in Ethiopian Vegetarian Dishes

ገንዘብ ወደ ኣገር ቤት እንልካለን፡ ሽሮና በርበረ፡ የተለያዩ ቅማመ ቅመም፡ የእንጀራ ዱቄት፡ ቴፕ ካሴትና ሲዲ፡

መጽሄትና ጋዜጣ እንሸጣለን።260 Dundas St. E. (at Sherbourne St.) M5A1Z6

Tel: 416-929-9116

Red Sea Village Restaurant

Red sea is back with bigger dance floor, fancy pool hall and delicious food! We also cater for wedding, birthdays & other occa-

sions. ሬድሲ ሬስቶራንት ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ለይታዊ ትልሂት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ቀሪባትልኩም ከምዘላ

ብሓጎስ ተበስር። ብድሃን ምጽኡ!945 B Bloor St. W.Tel: 416-538-6296

Global Food & Spice Storeግሎባል የምግብና ቅማመ ቅመም መደበር

ትኩስ እንጀራ፡ ቅማመ ቅመም፡ ቡና፡ የተሌፎን ካርድ እንሸጣለን። እንዲሁም ሲድና፡ ካሴቶችን

እናካርያለን፡ እንሸጣለን።298 Gerrard Street EastToronto,On. M5A 2G7Tel: 416-929-6055

Elsabet HailuManager

1260 Danforth Ave.Toronto, ONTel: 416-913-1594Cell: 647-885-4202

Tel: 416-922-9686Fax: 416-922-9321

Awash Varietyኣዋሽ

ቆሎ፡ ርግኦ፡ እንጀራ፡ ጠስሚ፡ ቀመማ ቀመም፡ ኣዋዘ፡ ሲዲ፡ ዲቪዲ፡ ናይ ዝደለኹሞ ሙዚቃን ፊልምን ንሸይጥ

3200 Danforth Ave (at Phar-macy St.)

Tel: 416-698-6662Opens: Mon - Sunday 9am -

11pm

EST Sports Bar416-535-6457

ብልጽቲ ሓዳስ መዘናግዒ ባር ከፊትና፡ ቢላርዶ፡ ፑል፡ ካልቾባሊና ወዘተ ዝደለኹሞ መዘናግዒ ቀሪብና ንጽበየኩም ከምዘለና ፈሊጥኩም ዶ? በሉ ሃየ ናብዚ

መርሹ፡ ብፍሕሹው ኣቀባብላና መንፈስኩም ኣሐድሱ!

ኣድራሻና፡ 926 Bloor St. W (west of Ossington)

ንዝያዳ ሓበሬታ ንክብሮም ተወከሱ416-535-6457

HI - TECHVIDEO GAMES

BUY - SELL - TRADEDVD - RENTAL & SALE

CONVERSION PAL - NTSC, VHS & DVD1100 BLOOR ST. W.(Dufferin subway)

Toronto, ONT. M6H 1M8 Tel: 416-530-2843With coupon, used games & movies no tax

ነዛ ኩፖን ሒዝኩም እንተከይድኩም፡ ዘይሓድሽ ፊልምን ጸወታን ብዘይ ቀረጽ ክትወስዱ ትኽእሉ

ሓበሻ ክለብ875 Bloor St. W Te

l: 41

6-53

5-66

15

ቤት መ

ግቢ ላ

ሊበላ

Page 10: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006: Page 10

ብዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር

ኩርናዕ ኮምኒቲ

የውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር፡ ብሶሻል ወርክ ብማስተርስ ዲግሪ ዝተመረቐ ምሁር ኮይኑ ኣብ ሮያል ሆስፒታል ስነ-ኣእምሮ ኦተዋ ንነዊሕ ዓመታት ብሞይኡ ዘገልግል ዘሎ ማሕበራዊ ኪእላ’ዩ። በዚ ኢመይል ኣድረስ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።[email protected]

ስፖርት

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም

2006

ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ጋና ንኣመሪካ 2ብ1፡ ንቸክ-ሪፓብሊክ ድማ 2ብ0 ብምስዓር ናብ ካልኣይ ዙርያ ሓሊፋ። ካብተን ናብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፋ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጋና ጥራሕ’ይ ናብ ካልኣይ ዙርያ ክትሓልፍ በቒዓ። ቶጎ ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ኣንጎላ፡ ቱኒዝያ ጽቡቕ ጸወታ ኣርእየን ግን ክሰልጠን ኣይክኣለን፡ ብጸቢብ ተሳዒረን ካብ ውድድር ተሰናቢተን። ጋና ምስ ኢጣልያ ዘካየደቶ ጸወታ ዋላ’ውን ኣይትተዓወት ጽቡቕ ኣድናቖት ኣትሪፋ። ኣብ ካልኣይ ዙርያ ጋና ምስ ብራዚል ዘካየደቶ ጸወታ ዝናኣድ ኔሩ። እንተኾነ ሓያል ጋንታ ብራዚል ንተኻላኸልቲ ጋንታ ጋና ጥሒሳ ብምሕላፍ 3 ብ 0 ኣፋንያታ። ሃገራት ኣፍሪቃ ምስቲ ዘለወን ድሩት ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ዝናኣድ ጸወታ ኣርእየን። መጻኢ ምዕባለ ስፖርት ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ምስ ምምዕባል ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዓቕሚ ሃገራት ስለዝዛመድ ቅሩብ ግዜ ክወስድ’ዩ። ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሑት ደረጃ ስለዝርከባ። ናይ 2010 ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ። ተስፋ ንገብር ከኣ ዘለወን ደገፍ ህዝቢ ተጠቒመን ተዓወቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክኾና። እዚ ጌና ዝቕጽል ዘሎ ጸወታ ክዑሶ ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተዓዘብቲ ተሳቲፎሞ።ካብ ኣብ ዓለምና ዝርከብ 6 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም፡ ልዕሊ 3 ቢልዮን ብቴለቭዥን ይከታተሎ ኣሎ። ኣርጀንቲና ንሰርብያ-ሞንቲነግሮ፡ 6ብ0 ብምስዓር ዝበዝሐ ሽቶ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ። ተጻዋታይ ጀርመን ክሎስ 4 ሽቶ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣቓልቦ ህዝቢ ስሒቡ፡ ብስፖርታዊ ሓድነት ንክንጥመር ኣኽኢልና ኣሎ። ጸወታ ኩዕሶ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ባህርያት ወዲ ሰብ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ንኣብነት ደቂ ሓንቲ ሃገር ዘለዎም ፖለቲካዊ ፍልልያት ወጊዶም ንሃገሮም ይድግፉ። ኣይቮሪኮስት ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኲናት ሓድሕድ (civil war) ትርከብ። ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት’ውን ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ዝርርብ ናይ ሰላም እንዳተኻየደ ኢዩ።ብሰንኪ ኣይቮሪኮስት ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስታፋ፡ ህዝቢ ፍልልዩ ወጊዱ፡ ብሓባር ንሃገሩ ክድግፍ በቒዑ። ከምኡ’ውን ኣንጎላ ብመግዛእቲ ፖርቱጋል ኣብ 1975 ሓራ ድሕሪ ምውጻኣ፡ እተን ነታ ሃገር ሓራ ንምውጻእ ዝተቓለሳ ውድባት ናይ ስልጣን ውድድር ብጎነጽ ስለዘካየዳ፡ ስምምዕ ተሳኢኑ። እታ ሃገር ድሕሪ ምጭባጥ ናጽነታ፡ ን25 ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድ-ሕድ ተሸሚማ ጸኒሓ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈሪሙ። ኣብ’ታ ሃገር ሓድሽ ሃዋሁ ተፈጢሩ። እታ ሃገር እንደገና ዳግመ-ህንጻ ተካይድ ኣላ። ንኣንጎላውያን ኣብ’ዚ ጸወታ ዓለም ምስታፎም ዝያዳ ናይ ሓድነት ተስፋን ሃዋሁን ፈጢርሎም።ብኣንጻሩ’ውን ሕሉፍ ፍቕሪ ጸወታ ኩዕሶን ስዕረትን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣሊዎ። ኡራጋይ ንብራዚል ብ1950 ኣብ ዝሰዓረትሉ 7 ሰባት ብታሕጓስ ሕማም ልቢ ኣጥቂዕዎም ሞይቶም። ኣብ መንጎ ኤል-ሳልቫዶርን ሆንድራስን ናብ ዋንጫ ዓለም መን ሓለፈ ኣብዝተገብረ ግጥም፡

ኣብ መንጎ ናይ ክልቲአን ሃገራት ደገፍቲ ባእስን ዕግርግርን ተኻይዱ። በዚ መሰረት’ውን ክልቲአን ሃገራት ናይ ዶብ ውግእ ንክልተ ሰሙን ኣካይደን። ልዕሊ ክልተሽሕ ሰባት ሞይቶም። መግዛእቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ፖሊሲ ንምዕዋት ነቲ ኣብ መንጎ ጋንታታት ኤርትራ ዝነበረ ኣውራጃዊ ኣስማት ብምምዝማዝ ንሓድነት ህዝብና ክበታትኖ ፈቲኑ ኢዩ። ብሓፈሽኡ ግና ጸወታ ኩዑሶ ንማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን፡ ብፍላይ ንኣእምራውን ኣካላውን መንፈስ ዘሐድስን ዘዕብን ኢዩ። ኣወንታዊ ግድኡ ከኣ ዝዓበየ ኢዩ።

ቀዳማይ ዙርያ ጸወታ ኩዕሶ ዓለምን ውጽኢት ሃገራት ኣፍሪቃን

ቶጎ 0 - 2 ፈረንሳዩክረይን 1 - 0 ቱኒዝያጋና 2 - 1 ኣሜሪካኢራን 1 - 1 ኣንጎላኣይቮሪኮስት 3 - 2 ሰርብያ ሞንተኔግሮእስጳኛ 3 - 1 ቱኒዝያቶጎ 0 - 2 ስዊዘርላንድቸክ- ሪፓብሊክ 0 - 2 ጋናሆላንድ( ነዘርላንድ ) 2 - 1 ኣይቮሪኮስት(ኮት-ዲቮር)መክሲኮ 0 - 0 ኣንጎላቱኒዝያ 2 - 2 ስዑዲ-ዓረብደቡብ-ኮርያ 2 - 1 ቶጎኢጣልያ 2 - 0 ጋና

ኣንጎላ 0 - 1 ፖርቱጋልኣርጀንቲና 2 - 1 ኣይቮሪኮስት

ካብተን 32 ዝተሳተፋ ሃገራት እዘን ዝስዕባ ናብ ካልኣይ ዙርያ ሓሊፈን። ጀርመን - ስዊድን ኣርጀንቲና - መክሲኮ እንግሊዝ - ኤኳዶር ፖርቱጋል - ነዘርላንድ ኢጣልያ - ኣውስትራልያ ስዊዘርላንድ - ዩክሬን ብራዚል - ጋና እስጳኛ - ፈረንሳካብ ካልኣይ ዙርያ፡ እዘን ዝስዕባ ናብ 3ይ ዙርያ ሓሊፈንጀርመን 4 – 2 ኣርጀንቲናኢጣልያ 3 – 0 ዩክረይንእንግሊዝ ፖርቱጋልብራዚል ፈረንሳ

ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣብ መንጎ ክልተ ዝተዓወታ ሃገራት ኣብ በርሊን ንዋንጫ ዓለም መን ጨበጠ ንዕለት 9 ሓምለ 2006 ኪካየድ ኢዩ።

ማሕበር ነርሳት ኤርትራውያን ኣብ ኦንታርዮ፡ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምምስራት ቤት ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ ምኽንያት ብምግባር

ነርስ ዝበርሀ ሽምዓ ዓቲሮም ነቲ ህሞት ዝያዳ ኣድሚቖሞ ኔሮም።

ነቲ በዓል ዝያዳ ድምቀት ሂብዎ ዝነበረ ፕሮፈሰር መንግስትኣብን ዶ/ር ዓብዱላሂን በ ብ ሞ ይ ኦ ም ዝ ሃ ብ ዎ ኣስተምህሮ’ዩ። ካብ ዩኒቨርስቲ ደ ል ሃ ው ዚ ሃ ሊ ፋ ክ ስ ብ መ ዲ ካ ል ዲ ግ ሪ ዝተመረቐ ዶ/ር ዓብዱላሂ በሪህ ኣ ስተምህርኡ

ብትርጉም ሓድነት’ዩ ጀሚርዎ። “ሓደ ዝረብሖ ሓደ ኩሉ ግዜ ሓደ ዩ። ሓደ ዝተመቕሎ ንሓደ ውን ሓደ’ዩ። ሓደ ተደመሮ ሓደ ግን ክልተ’ዩ። እንተደመርካሉ ውን እናተባዝሐ’ዩ ዝኸይድ።

ማሕበር ነርሳት ኤርትራ ንምምስራት ቤት ትምህርቲ ነርስ

ኣስመራ ዘኪሩ

ናይ ፍቓድ መልሲ ክትረክብ ክንደይ ግዜ ይወስድ? መብዛሕትኡ ናይ ጽገናን ምሕዳስን ዝምልከት ብሓደ መዓልቲ’ዩ ዝውዳእ። ብፍላይ እንተደኣ ጋሕ ጋሕ ንግሆ ሪጋ ሒዝካ፡ ብእዋኑ ሰሊጡካ ትምለስ። እንተድኣ ሕቶኻ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኾይኑ ግን ሽዑ ቆጸራ ይህቡኻ’ሞ ካብ ሰሙን ክሳብ ሓደ ወርሒ ይወስድ።

ናይ መስርሒ ህንጻ ወረቐት ፍቓድ ምሕታት ዘየድልዮም ናይ ህንጻ ስራሓት ኣለዉ’ዶ?እወ። ንኣብነት ንዝኣረጉ መዓጹን መሳኹትን ብሓደ ዓይነት ዓቐን ዘለዎም ሓደሽቲ ምትካእ፡ ቀለም ምልካይ፡ ቶነኮ፡ መምቀሊ ክፍሊታት ፎኪስ መንደቕ፡ ወዘተ ብዘይ ሕቶ ክትሰርሖም ትኽእል።

ፍቓድ ዘድልዮም’ከ?ንኣብነት ሓድሽ ህንጻ ምህናጽ፡ ጽገና፡ መንደቕ ምንዳቕ፡ መንደቕ ምፍራስ፡ ሓደስቲ መዓጹን መሳኹቲን ምኽፋት፡ ጋራጅ ምስራሕ፡ ሓድሽ ባልኮኒ (balcony) ምስራሕ፡ መሰረት ምኹዓትን ዝኣመሰሉ እዮም።

ናይ ህንጻ መስርሒ ወረቐት ፍቓድ ክትረክብ ክንደይ እዩ ዝኽፈሎ? ንኹሉ ሓደ ዓይነት ዋጋ ኣይኮነን ዝኽፈሎ። ከከም ምዕባዩን ዓይነቱን ዝተፈላለየ ዋጋ እዩ ዝኽፈል።ኣብ ቀጻሊ ሕታም ናይ’ዛ ጋዜጣ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ ዝርዝር ዋጋታት ከውጽኦ እየ።

ክንደይ ዓይነት ስእልታት እየ ከቕርብ ዝግበኣኒ? ዋጋ መስኣሊ ክንደይ እዩ? ናብ 6ይ ገጽ ይቕጽል

ብ10 ሰነ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ኣጋጣሚ ወዲቡ ኣብ ኣዳራሽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኪዳነ ምህረት ጸምቢልዎ ውዒሉ።

ኣ ብ ዚ ልዕሊ 100 ሰባት ዝ ተ ሳ ተ ፍ ዎ ጽምብል፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ነርሳት ኤርትራ ኣብ ኦንታርዮ ነርስ ብርሃነ ሃይለማርያም ንዕላማን መንፈስን ናይቲ ኣጋጣሚ ብ ም ግ ላ ጽ ተሳተፍቲ ነቲ በዓል ንምድማቕን ም ሕ ጋ ዝ ን ምምጽኦም ኣመስጊኑ። ብዓቕምና ንቤት ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ ናይ ነርሲን ላፕ ዓቕሙ ንምምዕባል ኢልና ኢና ነዚ ናይ ሎሚ ምሸት በዓል ንጽምብል ዘለና ኢሉ። ቀጺሉ ነርስ ብርሃነ ንኣደታት ግዜአንን ጉልበተንን ከይበቐቓ ሞራላውን ነገራውን ሓገዝ ምግባረን ፍሉይ ምስጋና ከምዝግበአን ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማ.ነ.ኤ. ነርስ ብርሃነ ሃይለማርያም ምስ ኣባልት ማሕበሩ

ስለ’ዚ ንሕና እንተተሓባቢርና ጥራሕ ኢና ክንዓቢ ንኽእል።” ክብል ምትሕብባር ንቕድሚት ከምዘሰጉመና ብምግላጽ ነቲ ቀንዲ ኣርእስቱ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ሕማም ሽኮር ኣቕሪቡ። ሰለስተ ዓይነታት ሕማም ሽኮር ከምዘለው፡ ታይፕ 1፡ ታይፕ 2ን

ታይፕ 3ተን ከምዝበሃሉ ብምጥቃስ ንጠንቆምን ክግበር ዝግባእ ምክልኻልን ንጹርን ብሱልን ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋተርሉ ዝምህር ፕሮፈሰር መንግስትኣብ ተስፋዮሃንስ ብወገኑ ኣብቲ ንኡስ ቢዝነስ ንምክያድ ክግበር ዝግብኦ

ምድላዋት ምርኩስ ጌሩ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ኣነቓቓሒ ዝኾነ መግለጺ ኣቕሪቡ። “ስለምንታይ

ነርስ ኣምለስት ታሪኽ ቤት/ት ነርስ ኣስመራ እናንበበት

ኣብቲ ኣጋጣሚ ቆንሱል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ወ/ሮ ኑራ መሓመድ ዑመር ንተበግሶ ማሕበር ነርሳት ኤርትራ ኣብ ቶረንቶ ሞጕሳ።

ነርስ ኣምለሰት ብወገና ሓጺር ታሪኽ ቤት ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ ኣቕሪባ። ቤት ትምህርቲ ነርስ ኣስመራ ብ1955 ብሓገዝ መንግስቲ ኣመሪካ ብ25 ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ጀሚሩ፡ ሕጂ ብደረጃ ዲግሪ ኣዋልድን ኣወዳትን ሓቚፉ የምህር ከምዘሎ ገሊጻ። ነርስ ኣምለሰት ታሪኽ ቤት ትምህርቲ ኣብ ተንብበሉ ዝነበረት ግዜ፡ ኣባላት ማሕበር

ቆንሱል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ወ/ሮ ኑራ መሓመድ ዑመር

ኢና ን10፡ 20 ዓመታት ኣብ ሓደ ቦታ ከም ኦም ቦቒልና ንተርፍ? ገለ ናትና ንብሎ ትካል ክንገብር

ዶ/ር ዓብዱላሂ በሪህ

ካብ ገጽ 14 ዝቐጸለ

ጠቓሚ ምኽሪታት. . .

ኩሉ ዓይነት ከተቕርቦ ዝግብኣካ ስእሊታት፡ እንታይ ዓይነትን ብኸመይን መን ይስእለልካን፡ ብትሑት ዋጋ ከተስእሎ ትኽእለሉ መንገዲ ዝሕብር ዝርዝር ኣብ ካልኣይ ክፋል ክግለጽ እዩ። ህጹጽ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ግን ኣብዝኾነ ግዜ ብስልኪ ወይ ብኢ-መይል ክምልሸልኩም ቅሩብ እየ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝያዳ ኣገዳሲን ጠቓሚን ሓበረታ ስለዘሎ ተኸታተሉ።

Toronto and East York District Toronto City Hall 100 Queen Street west (416)-392-7539

North York District North York Civic Centre5100 Yonge Street(416)-395-7000

Etobicoke York District Etobicoke 2 Civic Centre Court ( 4 1 6 ) - 3 9 4 - 8 0 0 2

Scarborough District Scarborough Civic Centre150 Borough Drive(416)-396-7526

Page 11: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006: Page 11

ኦሲንግተን ቅመማ ቅመም

Ossington Mini Mart

D.H. DAGAGO LAW OFFICE

303-505 DANFORTH AVE. (Close to Pape/Chester Subways)

Toronto, ONTel: 416-245-9019Cell: 647-887-2880Fax: 416-248-1072

Email: [email protected]

All sorts of Variety items including Ingera, spices, tapes, Videos, DVD & CD.

ኩሉ ዓይነት ንመግቢ ወይ ንምዝንጋዕ ዝኸውን ኣቑሑ ንሕዝ። ቀመማት፡ በርበረ፡ እንጀራ፡ ቡን፡ ጀበና ንሸይጥ፡ ከምኡ ውን ቪድዮ ቴፕ፡ ሲዲ, ዲቪዲ ናይ ዝመረጽኩሞ ደራፋይ ኣብ ድኳንና ይርከብ። ዝካረ ኮበሮ ከምዘለና ከኣ ኣይትረስዑ። ተጠቀምቲ ሽሻይና ክትኮኑ ናብ ኦሲንግትን

ቅመማ ቅመም ምጽኡ።ኣድራሻና፡ 884 Bloor St. W.Toronto, ON. M6G 1M5Tel/Fax 416-537-4134Manager: Fertuna

VN BROTHERS CONSTRUCTOR

Tel: 416-825-7752 416-838-8708- Home renovation- Kitchen remodel: Kitchen cabinet, marble coun ter-top, back splash- Bathroom remodel: bath tab, wall tiles, toilet, sink, faucets . . .- Electrical: spot lights, upgrading pan- Plumbing, floor tiles, hardwood floor- Fence, deck, patio interlock and other

Dependable, Experienced, Reasonable price.Please call Danny for free estimate

ንገዛ፡ ክሽነ፡ ዓይኒ-ምድሪ፡ መሕጸቢ ክፍሊን ካልእን ንምዕራይ ወይ ዳግማይ ንምቕራጽ ኩሉ ግዜ ንዳኒ

ሕተቱ። መዓስ’ዚ ጥራሕ፡ ንኤለክትሪክ፡ ዕንጸይቲ፡ ሓጹርን ካልእን ዝምልከት ስራሕ እንተለኩም ንዳኒ ተወከሱ። ብርትዓዊ

ዋጋ ኣዝዩ ብስርሑ ከሐጉሶኩም’ዩ።ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ዳኒ 416-825-7752

416-838-8708

Happy Canada Day!

Meftih

Page 12: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006: Page 12

ገምጋም መጽሓፍቲ

Books on Eritrea I have selected a few important books on Eritrea that might interest Meftih readers. No overall top book was selected. The original date of publication is in brackets. The books could be borrowed from a university or public libraries. The books can also be bought from bookstores or be purchased from the publishers. 1. I DIDN’T DO IF FOR YOU: HOW THE WORLD BETRAYED A SMALL AFRICAN NATION. (2005). BY: Michela Wrong. Fourth Estate Publishers. 2. UNFINISHED BUSINESS: ETHIOPIA AND ERITREA AT WAR. (2005). BY: Dominique Jaquin- Berdal, Martin Plaut. Red Sea Press. 3. FROM GUERRILAS TO GOVERNMENT: THE ERITREAN PEOPLE’S LIBERATION FRONT. (2001). BY: David Pool. Ohio Uni-versity Press 4. CIAO ASMARA: A CLASSIC ACCOUNT OF CONTEMPORARY AFRICA. (2002). BY: Justin Hill. Abacus Publishers. 5. AGAINST ALL ODDS, A CHRONICLE OF ERITREAN REVOLUTION. (1997). BY: DAN CONNELL. Red Sea Press 6. RETHINKING REVOLUTIONS: NEW STRATEGIES FOR DEMOCRACY, SOCIAL JUSTICE, EXPERIENCE OF ERITREA, SOUTH AFRICA, PALESTINE, NICARAGUA. (2002). BY: DAN CONNELL. Red Sea Press 7. CONVERSATIONS WITH ERITREAN POLITICAL PRISONERS. (2005) BY: DAN CONNELL. Red Sea Press 8. ROOT CAUSES OF WAR AND REFUGEES. (1992). BY: Wolde-Ysus Ammar. Sinbad Publishers 9. ERITREA- A COLONY IN TRANSITION- 1941 -1952. (1960). BY: G.K.N. Travaskis. Oxford Press. 10. GIFT OF INCENSE- A STORY OF LOVE AND REVOLUTION IN ETHIOPIA. (2005). BY: Judith Ashakih. Red Sea Press. 11. ERITREA- EVEN THE STONES ARE BURNING. (1998). By Roy Pateman. Red Sea Press. 12. SHATTERED ILLUSION, BROKEN PROMISE- ESSAYS ON THE ERITREA - ETHIOPIA CONFLICT 1998-2000. (2002). BY: Teki Fessehzion. Red Sea Press. 13. ANATOMY OF AN AFRICAN TRAGEDY: POLITICAL, ECONOMIC, AND FOREIGN POLICY CRISIS IN POST- INDEPEN-DENCE ERITREA. (2005). BY: Kidane Mengisteab, and Okbazghi Yohannes. Red Sea Press. 14. BROTHERS AT WAR: MAKING SENSE OF ERITREAN- ETHIOPIAN WAR.(2000) BY: T. Negash, and T. Tronvoll. James Currey Publishers. 15. GHOSTS AND SHADOWS- CONSTRUCTION OF IDENTITY AND COMMUNITY IN AN AFRICAN DIASPORA. (2001). BY: A. Matsuoka, and J. Sorensoen. Toronto University Press. 16. THE ERITREAN STRUGGLE FOR INDEPENDENCE: DOMINATION, RESISTANCE, NATIONALISM, 1941- 1993. (1995). BY: Ruth Iyob. Cambridge University Press. 17. NATIONAL AND CLASS CONFLICT IN THE HORN OF AFRICA. (1987). BY: John Markakis. Cambridge Press. 18. RED TEARS: WAR, FAMINE AND REVOLUTION IN ETHIOPIA. (1989). BY: Dawit Wolde Giorgis. Red Sea Press. 19. ERITREA AND THE UNITED NATIONS AND OTHER ESSAYS. (1989). BY: Bereket Habte Selassie. Red Sea Press. 20. ETHIOPIA AND ERITREA: A DOCUMENTARY STUDY. (1993). BY: Habtu Ghebre-AB. Red Sea Press.

እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ታሪኽ ኣባ ኣጎስቲኖስ ተድላ፡ ብዛዕባ ሓርበኛውን መንፈሳውን ስርሓቶም እትገልጽ ኢያ። ቀንዲ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብስርዓት መንግስቲ ሃይለስላሰን ደርግን ንህዝቢ ዝተገብረ ጃምላዊ መቕተልቲ ማእሰርቲ ዝተሞርኮሰ ኢዩ። ኣባ ኣጎስቲኖስ’ውን ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝወርድ ዝነበረ ግፍዕታት ብዕሊ፡ ብድፍረትን ሓቅን ተቓዊሞም። በዚ መሰረት’ውን ሰርዓት ደርግ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዳጒንዎም።

እዛ መጽሓፍ፡ ነቲ ብ1967፡ 1970፡ 1975 ኣብ ኤርትራ ዝተገብረ ግፍዕታት መሰረት ብምግባር ተባዕ ተቓውሞ ብኣባ ኣጎስቲኖስ ንስርዓት ኢትዮጵያ ብትሪ ተተኣሳስር። ንኣብነት ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ መጀመርያ 1967 ብጦር-ሰራዊትን ብኮማንድስን ዝተሰነየ ሰፊሕ ወራር ኣብ ምሉእ ምዕራባዊ ቆላታት ኣካየደ። ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቅተል፡ ዝመት ወፈራ ልዕሊ 173 ዕሙራት ቁሸታት ብሓዊ ተቓጺለን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ከብቲ ተዘሚተን፡ ንመጀመርያ ግዜ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ብጃምላ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም። ብሚልዮናት ዝቑጸር ንብረትን ሕርሻን ብሓዊ ተቓጸለን ተዘምተን። 30 ሽሕ ሰለማውያን ዜጋታት ተቐንጺሎም። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ካብ ናብርኡ ተመዛቢሉ።

ቀጺሉ’ውን ኣብ 1970 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዒላ-በርዕድ፡ ንኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ዝመርሖ ሓይሊ ድብያ ኣካየደት። ጀነራል ተሾመ ምስ ካልኦት መኮንናት ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ድብያ ተቐትለ። ሕነ ናይ’ዚ ስርሒት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዖና (ከባቢ ከረን) ሰለማዊ ህዝቢ ብደብዳብን ጥይትን ሳንጃን ንልዕሊ 600 ሰባት ቀተሉ። ዖና ከምዘይነበረት ሓሪራ ተረፈት። ተመሳሳሊ ህልቂት ኣብቲ ከባቢ ቀጸለ።

ኣባ ኣጎስቲኖስ ንዝተገብረ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምስ ሰምዑ፡ ናይ ኤርትራ ገዛኢ ንዝነበረ ኣስራተ-ካሳ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳሩ ከይዶም ”ክቡር ጎይታና እዚ ኣብ ግዝኣትኩም ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት ትሰምዕዎ ዶ ኣለኹም? ህዝቢ ብሳንጃን ብጥይትን እናህለቑን ደም ንጹሃት እናፍሰሱን ትም ኢልኩም ትዕዘብዎም ኣለኹም” በልዎ። በዚ ድማ ኣስራተ-ካሳ ተቖጠዐ። ካብኡ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኦም ምክትታል ክገብር ጀመረ።

ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ናይ ኤርትራ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ኣቡን ዝነበሩ፡ በቲ ኣብ ከረን ዝተኻየደ ግፍዒ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ህዝብን ኣመሓደርትን፡ መኮንናት ኢትዮጵያ ከይተረፈ ዝነበርዎ፡ ኣብ ዘካየድዎ ስብከት “ቆልዓ ሰበይቲ ቀቲልካ ኣብ ከተማ ምፍካር እግዝኣብሔር ዘይፈትዎ ተግባር ኢዩ! ንጹሃት ሰባት ምቕታል ሓላፍነት ዘለዎ የሎን” ብምባል ነቲ ግፍዒ ኮነንዎ። ነፍስሔር ብጹእ ኣቡነ ኣብርሃ፡ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ንሰውራ ኤርትራ ንምጥፋእ ሻዱሻይ ወራር ምስ ኣወጀ፡ ብድፍረት ንውልቆም ከም ሃይማኖታዊ መራሒ ነቲ ወራር ኮኒኖም ተቓውሞ ዘርኣዩ፡ ሓርበኛ መራሒ ኢዮም። ኣብ ዓመታዊ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ከረን ነቲ ወንን ተስፋን ዝህብ ስብከትን፡ ተቓውሞ ኣብ ስርዓት

መግዛእቲ ስብከቶም ንምስማዕ፡ ኣስላምን ክርስትያንን ተቐማጦ ከረንን ከባቢኣን ብብዝሒ ይሳተፍዎ ነይሮም።

ኣብ 1961 ኣቦ ሰውራ ኤርትራ፡ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝወልዖ ሽግ ከበሳታት ኤርትራ ሰጊሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ብኽልቲኡ ውድባት ኤርትራ ማለት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ናይ ሽዑ( ህዝባዊ ሓይልታት) ኣብ ኣስመራ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኢትዮጵያ ኣካየዱ። ድሕሪ’ዚ ፍጻመታት ወታሃደራት ደርግ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ተዋፊሮም ብዘይ ንሕስያ ሰለማውያን ሰባት ምቕታል ጀመሩ። ጎደናታት ኣስመራ ብሬሳታት ተመልአ። ህዝቢ ርዒዱ፡ ኣብ ገጀረት ዝርከብ ገዳም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ተዓቑበ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣባ ኣጎስቲኖስ ቆማስ ናይ’ቲ ገዳም ነበሩ። ንልዕሊ 3 ሽሕ ህዝቢ ከኣ ክሳብ’ቲ ኩነታት ዝሃድእ ኣዕቆቡ። ወታሃደራት ኢትዮጵያ ናብ’ቲ ገዳም ኣትዮም ተግባራቶም ንኽቕጽሉ ምስ መጽኡ፡ ኣባ ኣጎስቲኖስ ‘ንዓይ ድሕሪ ምቕታል’ ስለዝበልዎም ካብ መደቦም ተቖጠቡ። ብተግባራት ጸላኢ ዝተቖጥዐ ተቐማጣይ ኣስመራ፡ ብብዝሒ ንከተማ ለቒቁ ወጸ። መንእሰያት ብብዝሒ ንሜዳ

ተጸንበሩ። ሓይሊ ሰውራ ገዘፈ። ደርግ ብሓይሊ ሰውራ ተዳህለ።

ደርግ፡ 38 ዝኣባላታ ናይ ዕርቂ ሽማግለ ምስ ሰውራ ኤርትራ ተራኽቦ መስሪቱ። ኣባ ኣጎስቲኖስ ኣባል እዛ ናይ ዕርቂ ሽማግለ ብምዃን ተሓርዩ። እታ ሽማግለ ምስ ክልቲኡ ውድባት ክትራኸብ ጀመረት። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ኲናት-ሕድሕድ ይካየድ ነበረ። ህዝቢ ድማ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ግደ ተጻዊቱ። ኣባ ኣጎስቲኖስ ክኣ ብምስጢር ምስ መሪሕነት ክልቲአን ውድባት ብምርኻብ፡ ንኩናት ሕድሕድ ጠጠው ንምባል ብዙሕ ጻዕሪ ኣካየዱ። ኣብ መወዳእታ’ውን እታ ናይ ሰላም ሽማግለ ምስ ላዕለዋይ ኣባል ደርግ ኣኼባ ኣካየደት። ኣብቲ ኣኼባ’ውን ኣባ ኣጎስቲኖስ ተድላ ተንሲኦም ”---- ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ መጠን ነፍስና ክኢልና ክንመሓደር ብቑዓት ስለዝኾና ክትገዝኡና ኣይንደልን። ናጽነት ክኣ ንደሊ ኣሎና እንተበልና መሰልና ኢና ዝሓተትና ፡ መሰል ንምሕታት ንምንታይ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ይንፈገና?” ብምባል ድልየት ህዝቢ ብቓልዕ ኣብ’ቲ ኣኼባ ተዛረቡ።

እዛ መጽሓፍ ኣብ ውሽጢ ውሑድ ገጻት ነቲ ዝነበረ ጉዕዞ ቃልስን ግደ ኣባ ኣጎስቲኖስን

ኢያ እትገልጽ። ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ’ውን ጌና ብታሪኽ ኣጽናዕቲ ከም’ቲ ዝድለ ኣይተጻሕፈን። ጌና ኣብ ምጽሓፍ ኣሎ ደራሲ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም ኣለዉ። ንመጽሓፎም ንምህብታም ሰውራ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብን ተጋደልትን ዝተሰውኣሉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ ሃገሮም ዝተሰደድሉ፡ ብዙሓት ዝተኣስርሉን ዝሰንከልሉን ሃብቲ ኤርትራ ዝበረሰሉን፡ ክልተ ውድባት ዝተቓለሳሉን ኢዩ። በዚ መሰረት’ውን ደራሲ ብዙሕ ውካሰ ካብ ህዝብን ተጋደልትን፡ ዘካየድዎ ሓበሬታ ከስፍሕዎ ክቕጽልዎ፡ ንካልኣይ ግዜ’ውን ትሕዝቶ መጽሓፎም ከሀብትምዎ ይውከሶም።

ኣባ ኣጎስቲኖስ’ውን እታ መጽሓፍ ከምእትሕብሮ ኣብ ምህብታም ቋንቋ ትግርኛ ዓቢ ግደ ገይሮም። ሬድዮ ቫቲካን ብትግርኛ ከምዝምስረት ገይሮም። ሰዋሱው ትግርኛ፡ መዝገበ ቃላት ትግርኛ’ውን ጽሒፎም ስርሓቶ ብስርዓት መግዛእቲ ስለዝተዓንቀፈ’ውን ነቲ በብግዚኡ ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ብደቂ ማሕበሮም ኣብ ምጥርናፍን ምሕታሙን ኣሎ።

ብቃልሶም ዝተዳህለ ሰርዓት ደርግ ብ15/03/1975 ኣብ

ማእሰርቲ ዳጎኖም። ኣብቲ ብዙሕ ግፍዒ ዝካየደሉ ዝነበረ (ኣራተኛ ፖሊስ ጣብያ ክፍለ ጦር) ዚበሃል ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንሽዱሽተ ዓመትን ንሽዱሽተ ወርሕን ተኣሲሮም። ብ1981 ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም። ኣባ ኣጎስቲኖስ ተድላ ብ26 ሓምለ 1921 ኣብ ሔቦ( ኣኮለጉዛይ ናይ ሕጂ ዞባ ደቡብ) ተወሊዶም። ብ26/11 1989 በቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ ዝሰዓበ ሕማም ኣብ ሕክምና ከለዉ ኣብ ኣስመራ ዓሪፎም። ኣባ ኣጎስቲኖስ ካብዛ ዓለም ካብ ህዝቦም ይፈለዩ ድኣ’ምበር ኣቦ ሓቂ ተባዕ ሃይማኖታውን ሓርበኛን ስለዝነበሩ ታሪኾም ህያው ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ንስለ መሰልን ሓርነትን ዝተገብረ ቃልሲ ሓርበኛዊ ተራ ብምጽዋቶም ብኣብነት ዝዝከሩ’ዮም። ነቲ ዝገደፉልና ሕድሪ ክኣ ንቐጽሎ።

ኣብ መወዳእታ ነዛ ታሪኻዊት መጽሓፍ ንምንባብ ኣብ St.NICHOLAS of BARI CHURCH, 1277 St.CLAIRE west ወይ ብ146-653-2843 ብምድዋል ሕተቱ። ዋጋ መጽሓፍ 10.00(ዓሰርተ ቅርሺ) ጥራይ ኢዩ።

“ሆስፒታል መካነ ሕይወት ንጎሮሮኣ ትመስክር”ኣባ ኣጎስቲኖስ ተድላ

ደራሲ ኣባ ጠዓመ ገብረዮሓንስኣሕታሚ ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና፡ ኣስመራ፡2005

ገጻት- 139

ብዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር

Page 13: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006: Page 13

ትብል ሳራ ተስፋማርያም። “ካብ ዝሓለፈ ዓመት ሕጂ ዝያዳ ማዕቢሉ ኣሎ።”

ኣቶ ጆርጆ ሃይለ መኮንን ኣባል ሰበኻ ጉባኤ ቤ ተ ክ ር ስ ት ያ ን ቅዱስ ሚካኤል ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ’ዩ ዘለዎ። “ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ጽቡቕ ግስጋሰ’ዩ

ኣርእዩ። ጽቡቕ’ዩ ዝስጉም ዘሎ። ብውሑዳት ተጀሚሩ ሕድገታት እናተገብረ

ብ ፍ ቕ ር ን ሓ ድ ነ ት ን ኣ ብ ም ግ ስ ጋ ስ ኢና ንርከብ ዘለና። . . .ብጥንታዊት ኦ ር ተ ዶ ክ ስ እ ና ተ መ ር ሐ ፡ ኣባላቱ ኮስኪሱ ህጻናቱ እናመሃረ ይኸይድ ኣሎ።

ሎሚ፡ መዘምራን ኣቦታት ካብ ኣመሪካ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተባሪኾም ኪዱ ኣብኡ ውዓሉ ተባሂሎም ነዚ ዓጂቦሞ ውዒሎም ኣለዉ። ካብ ዓመት ናብ ዓመት

ብዙሕ ለውጢ ርኢና ማለት’ዩ። ንዓመታ ድማ ዝያዳ ለውጢ ክንርኢ እቶም መራሒ ጳጳስ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኣብዚ ምሳና ንክውዕሉ ተስፋ ጌርና

ንጽበ።”

ርእይቶ ናይ ኩሎም ምእመናን ተመሳሳሊ’ዩ። ግስጋሰ ቤተክርስትያኖም ብከስተብህልሉ ዝኽእሉ ንጥፈት ንቕድሚት ይስጉም ምህላዉ ይገልጹ። ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ምእመናን ግን ኣብቲ ዝተዋህበ ጸብጻብ ንእሽተይ ቅሬታ ከምዘለዎ ገሊጽለይ። “ቤተክርስትያና ኣብ ሓጺር ግዜ ጽቡቕ ለውጢ’ያ ተምጽእ ዘላ” ይብል እቲ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ምእመናን፡ “ግን ብዝያዳ ጽቡቕ ንኽትከይድ ብግልጺ ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ

ዓመታዊ ንግደት ቅዱስ ሚኪአል ብጽፈት ክኸይድ ዝኻኣለ ትጉህ ተበግሶ ኣደታት ስለዘይተነፍጎ’ዩ። ኣደታት ነጻ ጉ ል በ ተ ን ብ ም ው ፋ ይ እንጀራ፡ ጸብሕን ስዋን ቀሪበን። መሊኡ ዝፈስስ ሽሻይ ተቐሪቡ። ሓንቲ ካብተን ግዚኣ ሰዊኣ ጸብሒ ንዕዱማት ክትዕድል

ዝጸንሓትኒ ገነት ገረዝጊሀር’ያ። ምትሕብባር ናይዚ ህዝቢ ዝያዳ ደስታ ከምዝፈጠረላ ድማ ትገልጽ። “እቲ ብሓባር ኮይንካ፡ ንቅዱስ ምኪአል ኣብ ዓመቱ ብከምዚ ምኽባር ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ። ሎሚ ብጣዕሚ ተሓጒሰ ኣለኹ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከኣ ካብዚ ዝበልጽ ጌርና፡ ናትና ገዛ ጌርና

ኣብ ናትና ቦታ ከነብዕሎ ይምነ።” ቀጺላ ገነት፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጽኡ ሰባት ክትረክብ ምኽኣል ንምጥርናፍ ጠቓሚ ምዃኑ ጠቒሳ።

ኣልማዝ መንግስቱ ውን ሓንቲ ካብተን ወለንተኛታት’ያ። ኣብቲ ፈረስ ዘጋልብ ዳስ ላዕልን ታሕትን እናበለት ስዋ

ክትዕድል’የ ረኺበያ። “ናይ ቅዱስ ምኪአል በዓል ኩሉ ግዜ ብከምዚ ኢና ነብዕሎ፡” ትብል ኣልማዝ፡ “ሕጂ ከኣ ጽራይ፡ ጉዕሽ፡ ሜስ በብተራ ነዚ ህዝቢ

ብኣገባብ ንዕድሎ ኣለና። እቲ ምትሕውዋስ ናይ ህዝቢ ደስ

ኢልኒ። ቆልዓና ሰበይትና ኩላህና ብፍቕሪ ምትሕውዋስና ደስ ይብለካ። ዓመት ዓመት ከምዚ ምቕጻሉ፡ ህዝቢ እናተሓጎሰ ይገብሮ ከምዘሎ’ዩ ዘርእየካ።”

ኣባል ቤክተክርስትያን መድሃኤኣለም ዝኾነ ኣቶ ሰለሙን ሃብተስላሰ ንበዓል ቅዱስ ሚኪአል ከድምቕ ከምዝመጽአ ይገልጽ። “ሎሚ ናይ ምኪአል ዓመቱ ስለዝኾነ ከብዕል ኢለ’የ መጺአ። ልዕሊ ኩሉ እቲ ምስ ሰብካ ምትሕውዋስ ደስ ይብለኒ። ብኡ ኣቢልካ ከኣ ኣምላኽካ ትዝክር።”

ኣለምጸሃይ ኣፍወርቂ ውን ምኽንያት መምጽኢኣ ንኣምላኽ ንምምስጋን’ዩ። “ቅዱስ ምኪአል ብሰላም ናብዚ ዓመት’ዚ ዘብጽሓና ከነመስግን ንኣሽቱናን ዓበይትናን ጸጋን በረኸትን ናይ ምኪአል ክንካፈል ኢና መጺእና ዘለና። ናይዚ በዓል ኩሉ ነገር’የ ፈትየዮ ዘለኹ። እቲ ቅዳሰ፡ ታቦት ክወጽእ ከሎ፡ እቲ እዝጊዮታት ናይ ኣቦታትን ኣደታትን፡ ህዝቢ ከዕልል ከሎ፡ ልክዕ ከምዚ ኣብ ዓድና ዘለና ኮይኑ ይስምዓካ። ካብ ንስደድ ነዊሕ ጌርና ኢና፡ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምርካብ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣምላኽ ጸጋ’ዩ።”

ናይ ብሓቂ ጸጋ’ዩ። እቲ ምዕሩግ በዓል ካብ ዋሽንግተን ዲሲs፡ ዳላስ፡ ኦሃዮ፡ ኮሎምቦስ፡ ኪችነር፡ ዊኒፐግ፡ ኦተዋን ካልጋሪን ዝመጽኡ ተሳተፍቲ ኣአንጊዱ፡ ነቶም ደስታ ዝዘርኡ ህጻናት ጥጡሕ ባይታ ኣዳልዩ፡ ኩሉ ዕዱም ብሓጎስን ፍስሃን ተደባቢሱ ከምዝውዕል ጌሩ። እዚ ኣወንታዊ ግስጋሰ ኣብ ኣእምሮ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣወንታዊ ስምብራት ገዲፉ ንቀጻሊ ዕቤት ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪአል ከምዝሕግዝ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ህጻናት ባህሎምን እምነቶም ዘለልዩሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ ክድፍኣሉ ይግባእ። “ኣብ ዘይሃገርካ ብከምዚ ደረጃ ተኣኪብካ ብናይ ሃገርካ ቋንቋን

ባህልን ከምዚ ዓይነት በዓል ከተኽብር ብጣዕሚ ባህ ዘብል’ዩ። እቶም ቆልዑን መንእሰያትን ድማ ነዚ እንዳርኣዮ ብኡ ክቕጽሉ ተስፋ ይገብር፡” ክብል ኣቶ ሃይለ ዘወልዲ ምሕጽንትኡ ገሊጹ።

ካብ 8ይ ገጽ ዝቐጸለ

ኣዋህሊልና ከምዘለና ክግለጸልና ይግባእ ኔሩ። ኣብ ክንዲ ‘ናይ ኤኮኖሚ ዓቕምና ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከብ’ ኢልካ ብሽፉኑ ምሕላፍ፡ ከምቲ ኣብ እንዳ መድሃኔኣለም ዝሰማዕናዮ ጸብጻብ፡ ክንድዚ ገንዘብ ኣለና ተባሂሉ ክግለጽ ከሎ፡ ዕግብ ኢኻ

ትብል። ዋላ እቲ ገንዘብ ውሑድ ይኹን፡ ኩላ ብግልጺ ትኸይድ እንተኾይና ካብዚ ዘለናዮ ንላዕሊ ንቕድሚት ክንከይድ ንኽእል ኢና።”

(ካብ የማን ቀዳማይ) ጆርጆ ሃይለ መኮንን ኣባል ሰበኻ ጉባኤ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል

ሓድነት ዘደልድል ባህሊ ዘሰስን . . .

ቅዱስ ሚኪአል ብ2002 ብዘይ ካህንን ውሑዳት ምእመናንን ጀሚሩ። ሕጂ ክልተ ካህናትን ክልተ ዲያቆናትን ሒዙ ኣብ ጎደና ሰይንት ክለርን ላንስዳውንን ዝርከብ ህንጻ ን10 ዓመት ብኮንትራት ኣብ ዝተታሕዘ ቦታ፡ ንኣስታት 400 ምእመናን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ ኣሎ። እንተኾነ፡ ሕልሚ ኣማሓደርቱ ሰፊሕ ስለዝኾነ፡ ናቶም ዝብልዎ ቤተክርስትያን

ንምውናን ቦታ ኣብ ምርኣይ ከምዝርከቡ ኣቶ ሃይለ ይሕብር።

ዕቤቶም ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። መርኣይኡ፡ ቁጽሪ ምእመናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምውሳኽ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንህጻናት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ምሃብ፡ ወርሓዊ ናይ ድራር ኣጋጣሚ ብምውዳብ ህዝቢ ብዛዕባ ሃይማኖቱን ኩነታቱን ከምዝመያየጥ ምግባር፡ ዓመታዊ ንግደት ወዲብካ ንዝኽረ-በዓል ቅዱስ ሚካኤል ምድማቕን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጽአ ህዝቢ ከምዝተሓቛቖፍ ምግባርን’ዩ። ኩሉ’ዚ ንጥፈታት ዓመት ዓመት እናተመሓየሸን እናማዕረገን ይኸይድ ከምዘሎ ምእመናን ባዕሎም ይምስክሩ። “ቤተክርስትያን እንዳምኪአል እንዳማዕበለ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፡”

መርጌታ (ቀሺ) ይብራህ ጎይትኦም ምስጋና እናቕረቡ

ፍሱህ መንፈስ ዓሲልዎም፡ ምእመናን ብወለንተኛታት ኣደታት ዝተዳለወ መግቢ እናተቋደሱ

Page 14: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006: Page 14

“FOR THE PEOPLE”IDI OJO is dedicated to the production and distribution of men’s, women’s and children’s shirts that educate, enlighten

and encourage critical thinking with regard to matters of social justice.

 

Visit us at www.idiojo.com/forthepeople/

Contact us 647-207-7395E-Mail: [email protected]

Naza & Aman HasebenebiTo purchase products, call or e-mail.

ደብረጽዮን ገረሱስ ካብ 1981-1984 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኣርኪቴክቸር Architecture ትምህርቲ ኣጽኒዑ፡ ብሞይኡ ከም ኣርክቴክት ኣብ ሱዳን ኣብ ናይ መንግስታውን ውልቃውን ናይ ኢንጂነሪን ትካላት ንሓሙሽተ ዓመት ሰሪሑ። ቀጺሉ ኣብ ኤርትራ ክሳብ መወዳእታ 1994 ኣብ ኣዝዮም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መንግስታዊን ብሕታውን ናይ ህንጻ ትካላት ከም ኣርኪተክት ኮይኑ ነጢፉ። ኣብ ርእሲኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብሕታዊ ኣርኪተክችራል ዲዛይን ቤት ጽሕፈት (Architectural Design Office) ኣብ ኣስመራ ከፊቱ ይኮናተር ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ 1995 ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ንሞይኡ ዘህጥር ገለ ኮርሳት ወሲኹ። እንተኾነ መንበሪ ወረቐት ክረክብ ስለዘይካኣለ ብሞይኡ ክሰርሕ ዕድል ኣይረኸበን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብ2003 ናብ ካናዳ ክስደድ ተገዲዱ። ሕጂ ኣብ ካናዳ ቀዋሚ መንበሪ ረኺቡ፡ ንሞይኡ ዘሀብትም ኮርሳት እናለቐመ፡ ስሕት ኢሉ ዝረኽቦም ናይ ዲዛይን ኮንትራት እናወሰደ ህይወቱ ኣብ ምትካል ይርከብ ኣሎ። ገለ ሕጂ ካብ ዝገብሮም ዘለዉ ስርሓት፡ ኣብ ቶሮንቶ ናይ ዝሕደሱን (Renovation) ዝጽገኑን ገዛውቲ ስእሊ (Design) የዳሉ፡ ኤርትራውያን-ካናዳውያን ኣብ ዓዲ(ኤርትራ) ዝስርሑ ናይ ቤተሰቦም መንበሪ ገዛውቲ ናይ ስእሊ ኮንትራት ወሲዱ ይሰርሕ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ካልኦት ናይ ሞያ ብጾቱ ኮይኑ፡ ናይ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተቐማጦ ካናዳን ኣመሪካን ኣብ ኣስመራ መንበሪ ገዛውቲ ዝስርሑ ዲዛይን ገይረሎም ኔሩ። ደብረጽዮን በዚ ዘለዎ ሰፊሕ ተመኩሮ ንማሕበረ-ሰቡ ጠቓሚ ዝኾነ ጽሑፋት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከቕርበልና’ዩ። ንሰናይ ተበግስኡ ብስም ኩሎም ዓማዊል መፍትሕ እናመስገንኩ ናብ ቦኽሪ ጽሑፉ የሕልፈኩም።

ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ (GTA) ገዛ ዝውንኑን ክገዝኡ ዝምነዩን ብዝሒ ኤርትራውያን እናለዓለ ይኸይድ ምህላዉ ብሩህ ኢዩ። ዓቢ ቁም ነገር ስለ ዝኾነ ድማ ንኹሎም እንቋዕ ነዚ ኣብቃዓኩም ክብል እፈቱ። ገዛ ምግዛአ ምጽጋን ምጽብባቕ ወዘተ ናይ ብዙሓት ስድራቤታት ሕቶ ወይ ድማ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይስማዕ ኣሎ። ገዛ ምውናን ማለት ሓደ ዓቢ ስምዒት ናይ ሓበንን ኩርዓትን ዘውህብ ስለዝኾነ፡ ገዛ ከጥሪ ዘይምነ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ሰናይ ትምኒት’ዚ ቀልጢፉ ተፈጺሙ ኣብ ግብሪ ክትርእዮ ብጣዕሚ ኢኻ ትህወኽ። ግን ኩሉ ጊዜ ተሃዊኽካ ትገብሮ ነገር ውጺኢት ኣልቦ ጥራይ ዘይኮነስ ሕማቕ ሳዕቤን’ውን ስለዘለዎ ዘይምህዋኽ እዩ። ከም ገዛ ዝኣመሰለ ዓቢ ቀዋሚ ንብረት ክትገዝእ ክትውስን እንኮለኻ ብዙሕ መጽናዕቲን ዓቕሊን ትዕግስትን የድሊ። ክልተ ዓይነት ምውናን ገዛ ኣሎ። ቀዳማይ ስድራቤት ምስ ደቆም

ንነዊሕ እዋን ዝሕጎስሉን ዝነብሩሉን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣካሪኻ ወይ ኣሐዲስካ ብምሻጥ ገንዘብ ክትረኽበሉ እዩ። ዝያዳ ሓሳብን ጥንቃቐን ዘድልዮ እቲ ቀዳማይ ዓይነት መንበሪ ገዛ እዩ። ይኹን እምበር ዝኾነ ህንጻ ምግዛእ ይኹን ምሻጥ፡ ምሕዳስ ይኹን ምጽጋን፡ ናይ ግድን ብሕጊ ዞባዊ ምምሕዳር ከተማ እዩ ዝቕየድ። ናይ ኣባይቲ ሞያውያን ኪእላታት ደለልቲን መሃንድሳትን ድማ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ’ዚ እዮም። በዓል ገዛ ክሳብ ዝኾንካ ምስ’ዞም ናይ ህንጻ ሞያውያን ኩሉ ግዜ ዘራኽብ ምኽንያታት ክህልወካ እዩ። ምኽንያቱ ገዛ ይኣርግ ምጽጋን ምሕዳስ የድልዮ። ዲዛይን (De-sign) ምቕያርን ተወሳኺ ክፍሊታት ወይ ድማ ዓይኒ-ምድሪ (ሽቓቕ) ከምኡ’ውን ክሽነ ከተግፍሖ ወዘተ ኣብ እትደልየሉ እዋን ኪእላታት የድልዩኻ። ንፉዕን ዝእመንን ሞያዊ ኪእላ እንተዘይረኺብካ ዝሓሰብካዮ ስራሕ ክትገብሮ የብልካን። እንተ ዘይኮነ ገንዘብካን ግዜኻን ብኸንቱ ክጠፍእን ኣደዳ መሪር ጣዕሳን ክገብረካ ይኽእል’ዩ። እዚ ንኸይመጽእ ቅድሚ ዝኾነ ህንጻዊ ስራሕ ምጅማርካ ክትፈልጦም ዝግባኣካ ነጥብታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ናይ ዞባና ቤ/ጽ ምምሕዳር ከተማ ክፍሊ ህንጻ (City of Toron-to Building Division) ኣበይ እዩ ዝርከብ? ገዛ ክትሃንጽ ወይ ከተዕሪ እንታይ ዓይነት ሕግታት ኣለዉ? ናይ ህንጻ ስራሕ ኣገልግሎት ዝህቡ መነ መን እዮም? እንጂነር እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት እዩ ክህብ ዝኽእል? መዓስ’ዩኸ ዘድልየኒ?

ኣርኪተክት እንታይ ማለት እዩ? ፕላን ዲዛይነር ከ? ኣፕረይዘር፡ ኤስትሜተር፡ ኮንስትራክሽን ኮንትራክተር? እዚኣቶምን ካልኦት ናይ ህንጻ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ኣጸቢቕካ ምስ ፈለጥካዮም፡ ብድሕሪኡ ብቕንዕና ክሰርሓልካ ዝኽእል ትኣምኖ ንፉዕ ኪእላ ምስረኸብካ ብዛዕባ ገዛኻ ብዘይ ሓደ ስክፍታን ሓሳብን ቀሲንካ ክትነብር ትኽእል ማለት እዩ።

ብዙሓት ሰባት ንገዛኦም ብዝምልከት ብዙሕ ሕቶታት ከምዘለዎምን ቅኑዕ ሓበረታን ናይ ተክኒክ ምኽሪ ከምዝደልዩን ተገንዚበ ኣለኹ። ቀንዲ ዕላማይ ድማ ነዚኣቶም ንምሕጋዝ እዩ። ካብ ሎሚ ጀሚረ ድማ ኣብ ቀጻሊ ሕታም ናይ ጋዜጣ መፍትሕ ንገዛ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ምኽርን ኣስተምህሮን ሓዘል ጽሑፋት፡ ዝኾነ ሰብ ኣንቢቡ ክርድኦ ብዝኽእል መንገዲ ከቕርብ ክፍትን እየ። ብዙሓት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ምሉእ እምነት ኣሎኒ። ጋዜጣ መፍትሕ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ እያ ትሕተም። ወርሒ ዘየጸቢ ህጹጽ ሕቶታት ምስዝህልወኩም ስልኪ ደዊልኩም ሕተቱኒ። ወይ ብኢ-መይል እንተሓተትኩሙኒ ብዝርዝር ኣስፊሐ ክገልጸልኩም ከምዝኽእል ክሕብረኩም እፈቱ።

ቅድሚ ጽሑፈይ ምጅማር ንጋዜጣ መፍትሕ ነዚ ሰናይ ግብሪ ንኸቕርብ ዕድል ዝሃበትኒ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርበላ እፈቱ። ብተወሳኺ ድማ ነቶም ነሕዋትና ክንጠቅም ኢሎም ብዘለዎም ፍልጠትን ሞያን ብዓቕሞም ኣብዛ ጋዜጣ ጽሑፋቶም ንዘበርክቱ ምስጋናይ የቕርበሎም። ከም ኣብነት ክጠቕሶ፡ ናይ ሕክምና ሞያዊ ነርስ ብርሃነ ሃይለማርያም ሓደ ካብቶም ንዓይ ኣብነት ክኾነኒ ዝኸኣለ ምዃኑ እዩ። ከም’ኡውን ነታ ከይተሓለለት ብቐጻሊ ግጥሚ እተቕርብ ናይ ስነ-ጽሑፍ ኪእላ ጓል ኣንስተይቲ፡ መድህን ገ/ስላሰ ከየድነቕኩዋ ክሓልፍ ኣይደልን። ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ንማሕበራዊ ህይወትና ዘንጸባርቕን ኣተሓሳስባና ዘስፍሕ ትምህርታዊ ጽሑፍን ብቀጻሊ ብምቕራብ ቁዱስ ቅንኢ ካብ ዘሕደሩለይ ሓደ ካብ ህርኩትታ ኣበርከቲ ጋዜጣ መፍትሕ’ዩ። ኩሎም እጃሞም ዘበርክቱ ዘለዉ፡ ዮናታን ገብራይ፡ ነጃት ዓብደልዓሊም ስዒድ፡ መሰረት ጂይሱስ፡ ግሬስ ቸርያን፡ ሰናይ፡ ኤልሳ ሃይለን ካልኦትን ንኣበርክትኦም ብልቢ ከመስግኖ እፈቱ። ክትቅጽልዎ ድማ ከተባብዓ እፈቱ። ልዕሊ ኹሉ ግን ነቲ ቅዱስ ሕልና ዝዓደለኒን ነዚ ክገብር’ውን ዘብቃዓኒን ኣምላኽ ዝለዓለ ምስጋናይ የቕርብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ጋዜጣ መፍትሕ ‘‘ጊታር ንጀመርቲ’’ ዝብል ናይ ትምህርቲ ሓበሬታ ኣቕሪበ ነይረ። ካብ ዝተጸበኹዎ ንላዕሊ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ትምህርቲ ሙዚቃ ስልኪ ደዊሎምለይ። ካብ ኩሉ ዘገረመኒን ሕልናይ ዝተንከፈኒን ግን ናይቶም ኣጆኻ በርትዕ ኢሎም ከተባቡዕኒ ዝደወሉለይ ሰባት እዩ። በዚ ድማ ብዙሓት ኣንበብቲን ፍናን ዝህቡ ደለይቲ ጽቡቕን ከምዘለዉ ክፈልጥ ኪኢለ። ካብዚ ብምብጋስ እየ ዋላ ውሑዳት ሰባት ክጠቅም እንተኺኢለስ ሰናይ ግብሪ እዩ ብምባል ነዚ ጽሑፍ ከበርክት ዝተደረኽኩ። ንኹሎም ሰባት በብዓይነቱ ሞያን ክእለትን ዘለዎም ድማ ንኽንደይ ሰብ ይጠቕሙ ብዘየገድስ ምኽሮምን ኣስተምህሮኦምን ከበርክቱ እላቦ።

ከምቲ ሸክስፒር ዝበሎ ‘’ዓለም ሓንቲ ዓባይ ናይ ምርኢት መድረኽ እያ፡ ህዝባ ድማ ኪኢላታት ተዋሳእቲ ናይዛ መድረኽ እዮም”” ክዋሳእ ዘይደሊ እንተድኣ ኴይነ ኣብ መድረኽ ምህላወይ ትርጉም የብሉን። ናይ’ዛ ዓለም ነገር ድማ ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ጽቡቕ ሽም ግን ተራፋይ እዩ።

ቀዳማይ ክፋል• ጽገናን ምሕዳስ ገዛን (Re-pair and Home Renovation)• ናይ መሕተቲ ወረቐት(Ap-plication Form)• ናይ ኦንታርዮ ህንጻ ሕጋጋት(Ontario Building Code) • ናይ መስርሒ ህንጻ ፍቓድ ወረቐት(Building Permit)• ኣድራሻ ዞባዊ ምምሕዳር ከተማ ክፍሊ ህንጻ (City Hall Build-ing Division)ምሕዳስ ገዛ (Renovation) ማለት ንኣብነት ቅልል ዝበለ ናይ ኮንስትራክሽን (Construction) ስራሕ ዘድልዮም ከም ዝኣረገ ናሕሲ (Roof) ብሓድሽ ምቕያር፡ ናይ መንደቕ ቀለም ምልቕላቕን (Paint) ሕብሪ ምቕያርን፡ ሓድሽ ማዕጾን መስኮትን ምቕያር፡ ምድሪ ቤት (Floor) ምሕዳስ፡ ናይ ክሽነ ኣቑሕት መቐመጢን መተሓጻጸቢን (Cabi-net) ኣፍሪስካ ብሓድሽ ምትካእ፡ ኣብ ሽቓቕ ዝርከቡ ቀወምቲ ንጽሬት ዘገልግሉ ከም መሕጸቢ ነብሲ(Bath Tab) መሕጸቢ ገጽን; ዓይኒ ምድሪን (Toilet) ብሓድሽ ምትካእ ወዘተ ማለት ክኾኑ እንከለዉ ቅልል ዝበለ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕ እዩ ዘድልዮም።

ምስፋሕ ገዛ ማለት ከኣ ንኣብነት ስድራቤት ምስ ሰደሩ ክፍሊታት ክውስኹ ምስዝደልዩ ማለት እዩ። ክፍሊ ወይ ኽሽነ ወይ ሽቓቕ ወይ መቐበል ኣጋይሽ (Living Room) ምግፋሕ ማለት ናይ ገዛ ስፍሓት ምውሳኽ ማለት እዩ። ክፍሊ ምውሳኽ መንደቕ ደፊእካ ስፍሓት ምውሳኽ ማለት ክኣ ብላዕሊ ናሕሲ (Roof) ምልቃብን ምውሳኽን ብታሕቲ ኣዕሚቝካ ኲዒትካ መሰረት (Foun-dation) ምስራሕን ምእሳርን ዘድልዮ ብርትዕ ዝበለ ስራሕ ዝሓትት እዩ። ኣብ ድሕሪ ገዛ (Back Yard) ንኣብነት ናይ ደገ መዕለሊ ዴክ ክትሰርሕ ትደሊ ንናውቲ ትኸውን ንእሽተይ መጽለሊ ክትሰርሕ ትደሊ፡ ንመኪና ጋራጅ ክትሰርሓላ ወይ ድማ ንካልኣይቲ መኪና ዘእቱ ጋራጅካ ከተግፍሖ ምድላይ ገለ ኣብነታት ምስፋሕ ገዛ እዮም። ምቕያር ኣገልግሎት ገዛ (Change a Building’s use) ማለት ድማ ንኣብነት ንመንበሪ ኢሉ ዝተሰርሐ ገዛ ንሸቐጥን ኣገልግሎት ወይ ናይ ንግዲ ቤት ጽሕፈትን ምግባር እዩ። ዲዛይን ምቕያር ማለት ድማ ንኣብነት ንሓደ ስድራቤት መንበሪ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ገዛ ኣገፋፊሕካ ወይ ኣብ ላዕሊ ደርቢ ብምውሳኽ ንኽልተ ስድራቤት ከምዘገልግል ምግባር ማለት እዩ። ዓቢ ሓጹር Boundary Wall) ኣብ ዙርያ ገዛኻ ምንዳቕ ርእሱ ዝኸኣለ ፍቓድ ዘድልዮ ዓቢ ስራሕ እዩ። ሓጸርቲ ሓጹርን (Fence) ንኣሽቱ ናይ ብስሚንቶ ወይ ማቶኔላ (Tiles) ወይ ጸፋሕቲ ኣእማን ዝስርሑ ብጎኒ ጎኒ ገዛን ኣብ ድሕሪ ገዛን ዝስርሑ መንገዲ እግሪን (Side Walk)፡ ብዙርያ ገዛ ዝትከሉ ሓጸርቲ ሓጹርን ገለ ኣብነታት ናይ ፍቓድ ዘየድልዮም ንኣሽቱ ስርሓት እዮም። ጽገና ወይ ምዕራይ ማለት ንኣብነት ማይ ኣብ ዝሃርመሉ እዋን ብላዕሊ ማይ እንተኣትዩ ናሕሲኻ

ምጽጋን የድልዮ፡ መንደቕ እንተ ነቒዑ ወይ ተጨዲዱ ጠንቁ እንታይ ከምዝኾነ ኣጽኒዕካ መንደቕ ተዐርዮ። ምድሪ-ቤት እንተነቕዐ ወይ ኣብ ትሕቲ ክሽነን ሽቓቕን ዘሎ ክፍሊ ማይ እንተንጠበ (leak) ኣብ ክሽነ ወይ ኣብ ሽቓቕ ዘሎ ትቦ ናይ ማይ ይዕረ ወይ ይቕየር፡ ናይ ገዛ መሞቒን መውጽኢ ትኪን (Fire Place, Chimney) ኣገልግሎቱ ምስ ዝደክም ይጽገን ወይ ኣፍሪስካ ይቕየር። እዚኣቶም ኣብነታት ናይ ጽገና እዮም።

እምበኣርከስ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣብነታት ስራሓት ህንጻ ሓደ ስራሕ ክትሰርሕ ምስ እትደሊ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ቶሮንቶ ክፍሊ ህንጻ ኬድካ ናይ መሕተቲ ወረቐት (Application Form) ክትመልእ ኣለካ። እቲ ፎርም ብዘይካ ስም ዋና ገዛን ኣድራሻን እንታይ ሕቶኻን፡ ካልእ የብሉን። (ነቲ ፎርም ክርእዮ ዝደሊ ሰብ ብኢ-መይል (E-mail) ክሰደሉ ይኸእል እየ)።

ምምሕዳር ከተማ ክፍሊ ህንጻ እንታይ እዩ ሓላፍነቶም? ኣድራሻኦም’ከ ኣበይ እዩ?እዚኣቶም ዝኾነ ዓይነት ናይ ህንጻ ስራሓት ክትሰርሕ ምስ እትደሊ ናይቲ ክትሰርሖ ዝደለኻ ምኽንያት ብደቂቕ (In detail) መርሚሮም ናይ ህንጻ መስርሒ ወረቐት ፍቓድ (Building Permit) ክህቡ ሓላፍነት ኣለዎም። ዘቕረብክሎም ስእሊ )De-sign) ርእዮም ምስ ናይ ኦንታርዮ ህንጻ ሕጋጋት (Building Codes) ኣነጻጺሮም ክስራሕ ዘፍቅዱን ክኽልክሉን ስልጣን ዘለዎም ሰብ መዚ እዮም። ይኹን እምበር ህንጻ ክስራሕ ስለዘታባብዑ ብዝከኣሎም መጠን ክሕግዙ ዝደልዩ ጉጅለ መሃንዲሳትን ሰብ ሞያን እዮም። ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ኣርባዕተ ኣድራሻታት ኣለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ርአ።

ህንጻ መስርሒ ወረቐት ፍቓድ ንምንታይ የድሊ? ገዛ ክትሃንጽ ይኹን ከተፍርስ (De-molish) ሕጋዊ ፍቓድ የድልየካ። እቲ ዘቕረብካዮ ስእሊታት (De-sign) ብመሃንዲሳት ምምሕዳር ከተማ ተጸኒዑ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ከምኡውን ናይ ዞባ ሕግታት ከምዘማልአ መሰረጋገጹ ነዚ ሕጋዊ ምስክር ወረቐት ይህቡኻ’ሞ ስራሕካ ክትጅመር ትኽእል።

ብዘይ ፍቓድ ገዛ ምስራሕ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ? ሕጋዊ መቕጻዕቲ ይወሃበካ። ንኣብነት ነቲ ብዘይፍቓድ ዝሃነጽካዮ መጺኦም የፍርስዎ። ብዘይ ሕጊ ምስራሕ ገበን እዩ። ሕጋዊ ናይ መስርሒ ህንጻ ወረቐት ፍቓድ ንረብሓ ኩሉ እዩ። ብቐዳምነት ንዓኻ፡ ንጎረቤትካን ከባቢኻን እዩ ዝከላኽልን ዝጠቅምን። ንኣብነት ጎረቤትካ ብዘይ ፍቓድ ሓደ ክፍሊ ሃኒጹ ንበል። እዛ ክፍሊ እዚኣ ዝኾነ ናይ ሓዊ መከላኽሊ ስለዘይነበራ ካብኣ ዝነቐለ ናይ ሓዊ ሓደጋ ንኹሉ ከባቢኡ ይልክም። ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ከየጋጥሞም ኢሎም ጎረባብቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎረቤቶም እንታይ ይግበር ኣሎ ኢሎም ተጸናጺኖም ንመንግስቲ ብምሕባር ንነብሶም ይከላኸሉላ። ካልእ ኣብነት ድማ፡ ብሕቡእ ዝተሃንጸ ክፍሊ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋናት ምጽናሕ፡ ክሽየጥ እንከሎ ስለ ዝፍለጥ ድርብ መቕጻዕቲ ይወሃቦ።

ናብ ገጽ 11 ይቕጽል

ጠቓሚ ምኽሪታት ንወነንቲ ገዛ

ብደብረጽዮን ገረሱስ (416)-671-3202

[email protected]

Page 15: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006: Page 15

Editor-in-chiefAaron Berhane

Editor of English SectionGrace Cherian

260 Adelaide St. E. Toronto,ON,M5A 1N1P.O.Box 192

www.meftih.comTel: 416-824-8124Fax: [email protected]

Meftih’s WordEditorial

Canada Day-a Memorable Day

July 1 is Canada Day. It is a celebra-tion of the anniversary of the formation of the union of the British North American provinces into a federation under the name of Canada in 1867. It’s a day when we happily remember and celebrate our multicultural achievements, social justice and respect for human rights.

On July 1, 1867 the provinces of Ontar-io, Quebec, Nova Scotia, and New Brunswick united together to form Canada as a country through the British North America Act. The rest of the provinces followed suit one after the other. This historical date used to be known as Dominion Day until it was changed to Can-ada Day in October 1982. Canada has undergone lots of changes in the 139 years of its existence. Its economy has grown constantly, securing its citizens suf-ficient food so that it has become one of the most generous donors to poor countries. It has also become a country that re-spects human rights. The rights of women, Aboriginal, Chinese-Canadian, Japanese-Ca-nadian, and African-Canadian peoples have received special attention. Most weaknesses of the past have been redressed. Canada’s positive accomplishments in governing a di-verse society which lives together in harmony makes Canada one of the best countries in the world to live in.

People comprised of different cultures, languages, race and color in its social fabric and trained to respect one another, are play-ing a positive role in the progress of the coun-try. On July 1, we need to pay tribute to our past successes, celebrate our achievements with pride, and look forward to a bright future. It is everyone’s responsibility to make this day a memorable one. Happy Canada Day!

[email protected]

It was a balmy sum-mer evening. I was im-mersed in Their Eyes were Watching God when the ringing of the phone sud-denly pierced through and fractured my fan-tasy world. “Hello.”

“Hi, Grace.”

“Hi, Wils!” I responded, greeting him with effu-sive delight and con-cern.

Delight over hearing his voice again. And con-cern because I knew that he suffered, prob-ably much more than any of us would ever know, and much more than even he was able to communicate. The phone was our only link between us. He revolved through the doors of the Ontario psychiatric system. So I couldn’t call him as often as I wished. In-stead I had to wait for him to phone me which he did regularly. And then I would visit him in whichever hospital he was.

“Where are you, Wils?” I asked.

“At Qeeen Street.”

“How are you doing?”

A silly question. You know he has a debili-tating illness.

“I’m okay.”

Well, of course, he’s going to say he’s okay, but I’ve witnessed his gradual decline over the last few years. He pays no attention to personal hygiene. Tar-tar encrusts his teeth. But it’s his eyes that haunt me. The beautiful sparkle that was once there has flickered out permanently.

“Can you come and visit?”

I could feel the sadness in Wils’ voice. And as so often before, I wished that I could have borne his pain instead.

“Sure. I’ll be there after work around 6:00 to-morrow, okay?”

After work, I grabbed a few cans of Coke (Wils’ favorite beverage) and treats from Wils’ favor-ite dessert store, Cook-ies, at First Canadian Place.

This austere building looks more like a pris-on than a place where people can improve their mental health. I wince as I think of the first name of this facil-ity, the Provincial Lu-natic Asylum, and the images that name con-jures in my mind.

Thrusting my thoughts aside, I walked through the main entrance and towards the block where Wils is. I pressed the buzzer. A woman peered at me through the glass panel with its wire grating and un-locked the thick, gray door. “I’m here to visit Wilson.”

She let me in and care-fully locked the door be-hind me. No escapees.

I strode into the com-mon hall with round tables scattered around the perimeter. Wils sat at one of the chairs

“Hi Wils. I lost my job today,” I shared.

“What?”

“Our company merged with another and some of us lost of our jobs even though the presi-dent promised us be-fore the merger that no one would. Obviously he lied.”

“So sorry to hear that, Grace.” He, despite his mental torment, could still feel empathy for

me.

“These things happen.”

“You’ll have to look for another job now. Hope you find one soon.”

“I’m sure I will, Wils.”

“Take care. I love you.”

A major miracle! No one in our family has ever said that to each other. Yet Wils had the courage to break with tradition and show us a better way. He had uttered three simple words. Three words that conveyed a universe of meaning.

“I love you too, Wils,” I responded.

I tasted the salty drop-lets as they coursed down my cheeks.

Less than six months later Wils was dead. He was just thirty. His frozen body was found in Lake Ontario. My soul splintered into a million fragments.

Wils was the young-est in our family of five children, arriving ten years after me. He had been the radiant nucle-us of our lives. Then at fourteen the disease of schizophrenia struck and ravaged him. I had spent countless hours looking after him while he was a child. With his death, I lost not only a brother; I also lost a son.

But Wils left me a rich legacy. He had offered me many gifts. One of the most precious of these was that he taught me how impor-tant it is to tell those who are dear to me that I love them. And for that, I will always be grateful to him.

Grace Cherian is a To-ronto-based freelance writer and editor. You may reach her [email protected]

A Gift

By Grace Cherian

Page 16: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 email: info ... · መፍትሕ 2.11 ሓምለ 2006 ገጽ 3 1999 Dodge Neon 4dr. auto air, grey in color for only $2,650 1993 Toyota Tercel, 4dr. auto,

Meftih 2.11 July 2006 An Eritrean Monthly Newspaper, 1st Friday of every month. 260 Adelaide St. E. Toronto,ON, M5A 1N1 Tel: 416-824-8124 Fax: 416-653-9297 www.meftih.com email: [email protected]

”Anta, ante” are words we have all been sum-moned to at one point or another. When our moth-ers and fathers want our attention NOW, they use those terms instead of our given names. That does not mean that our parents do not love us but it is just the way our culture is. In most cases, chil-dren are not perceived as the future. They are seen as extra helping hands either in the house or in the fields. As a youngster growing up in Keren, Er-itrea, I recall my eldest brother Alazar rising early every day in the summer to tend the goats. He was the oldest male and that was a responsibility he embraced. He would be out all day as this was a means of survival dur-ing those times. Children were put to work as part of their role in the family unit.

Today these practices would not be acceptable in the West. But they con-tinue to happen all over the world. Culture and tradition are dominant as-pects of who we are.

As a youngster, I recall spending the whole day playing in the streets with friends and neighbors. I would come home to eat

lunch and dinner. That was all. I loved those carefree days when I had absolutely nothing to fear except those large water trucks. My community pro-tected and guided me.

It is common to attend school in the early years. However not everyone had that privilege. Many children could not af-ford school uniforms or did not have schools in their vicinity. Believe your parents when they say “I used to walk 50 kilome-ters to go to school when I was your age.” Our par-ents knew the value of education as we do now. They pushed us to excel in every area.

The Eritrean culture puts significant emphasis on studying hard and becom-ing doctors, lawyers, and engineers but they fail to understand that many factors play a role. Edu-cation begins when we are in the womb. This, however, is an approach that many believe does not have any relevance. But studies have proven otherwise. Many profes-sionals have conducted studies that demonstrate that a child who is read to before birth usually ex-cels those who weren’t read to. A fetus in the later stages of develop-ment can hear, feel, taste and learn from the moth-er through exposure to music, conversation, and reading.

I am an Early Childhood Education Instructor and when I was pregnant with my two sons, I purchased many books and read to them and as a result they enjoy reading and learn-ing through the pictures, colors, and story lines of the books. They would ask me questions about the people, animals, col-ors and shapes in the books. Now my sons are three and a half and two years of age respectively, and they will not go to sleep until they have read a story or heard one. This has enhanced their lan-guage, social and cogni-tive (thinking) skills. Many of my friends and fam-ily used to laugh at me but now they attribute my sons’ skills to my diligent reading, exposure to vari-ous music and conversa-tions.

The average person may not be exposed to this type of information but it is available. The govern-ment of Canada has al-located a great deal of money to study and re-search the role that the early years play in the development of the child. It has concluded that the first five years of a child’s life are the most forma-tive in shaping the adult.

Having said that, it is also imperative to keep in mind the child’s environment. Children and parents in Eritrea did not have this type of education or infor-mation available until the

Eritrean Early Childhood Education Program funded by the World Bank was introduced in 2000. The program focused on Nu-trition, Education, Healthy & Safety and Protection of our young and most vulnerable.

We suffered greatly through our struggle for independence. The fight for freedom overshad-owed the education and well-being of our youth. It is understandable that freedom has a price and we have paid that price. We are grateful that pro-grams are now in place to protect the children of Eritrea and to educate our communities. In or-der for these programs and services to be suc-cessful, Eritreans in the continent and the dias-pora must play their part. We must not throw away books or school supplies we no longer use but in-stead, send them home. There are many children who have the will to learn and grow but do not have the means to do so. It is our responsibility to share knowledge and aware-ness. Through our guid-ance and protection, the youth of today will be the leaders of our beautiful land tomorrow. It is man-datory that we play a role in history by doing our part here in Canada and Eritrea.

It is also imperative to change our thoughts about how we perceive children.

We must appreciate chil-dren for what they bring into our lives and the world at large. We must acknowledge the unique individuals they are no matter where they come from.

In conclusion, children are gifts to the world and the world is theirs to dis-cover and explore. Next time you are on the train or bus, take the time to talk with your child, sister, brother, niece or nephew about the beautiful or not so beautiful things around them. In doing so, you will be helping to shape how children view the world around them.

When you are cooking, in-vite your children to wash the vegetables instead of telling them to go and watch television. Invite them to fold the clothes when you are doing laun-dry. Children learn from all experiences, so make those experiences posi-tive and fun. For more information visit the following sites:

www. invest ink ids .com <http://www.investinkids.com/> www.bernardvanleerfoun-dation.org <http://www.bernardvanleerfoundation.org/>

You can also e-mail me at [email protected]

Naza Hasebenebi is an Early Childhood Educator and an entrepreneur. She has been privileged to work with children for many years in various settings including hospitals, childcare centres, shelters, schools and Eritrean Early Childhood Development Program funded by the World Bank in Asmara Eritrea. She is currently teaching Early Childhood Education at a private college in downtown Toronto. She is passionate about her Eritrean/African culture and that is the reason her sister Aman and she have launched a line of Afro centric and uplifting t-shirts for the whole family. She enjoys spending quality time with her family especially with her two sons-Ikebra and Berhan. Naza, as educator of childhood and a mother of two, she will educate us on issues of parenting from now on. I would like to thank her on behalf of our readers. Please enjoy her first article.

Parenting Parenting

The Eritrean Child

By Naza Hasebenebi