8
መበል 25 ዓመት ቁ. 240 ሰንበት 5 ሰነ 2016 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 2 ከመስግኖም ገጽ 3 “ብኣሃዶይ ምትብባዕ . . .” መንእሰይ መኮነን ክፍለ ገጽ 6 መራግእቲ ኣብ ገጠራት ዞባ ማእከል ቅድሚ ናጽነት 7 ሚእታዊት ጥራይ ዝነበረ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብዝተኻየደ ጻዕሪ ናብ 97 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ የማነ ኣባይ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ የማነ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ካብ ዝርከባ 86 ዓድታት እተን 83 ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረኽባ እንከለዋ፡ ናይተን ዝተረፋ 3 ዓድታት ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ትሕተ-ባይታዊ ማይ ብምህብታም ሕርሻዊ ልምዓት ንምድንፋዕ ብዛዕባ ዝተሰላሰለ ዕማም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ኣቶ የማነ፡ ቊጽሪ ዲጋታት ካብ 44 ናብ 120 ክብ ከምዝበለን ኣስታት 2500 ሄክታር የልምዓ ከምዘለዋን፡ ካብ ሓደ ሄክታር ዝርከብ ዝነበረ 10 ኩንታል ምህርቲ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብጥሙር ማሕረስ ካብ ሄክታር ክሳብ 30 ኩንታል ይሕፈስ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ንቐረብ ዝስተ ማይ ከተማ ብዝምልከት ንኤሪና ሓበሬታ ዝሃበ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ጽሩይ ማይን ረሳሕ ፈሳስን ኢንጂነር ገብረኪዳን ግርማጽዮን ድማ፡ ቊጽሪ ተቐማጦ ከተማ ኣስመራ በብእዋኑ ብምውሳኹ፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምብጻሕ ሓያሎ ስራሓት’ኳ እንተተሰላሰሉ ገና ጸገማት ከምዘሎ ሓቢሩ። ድሕሪ ናጽነት ቀረብ ማይ ንምምሕያሽ ብዝተኻየደ ጻዕርታት፡ ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምውሓስ ጻዕርታት ይካየድ ልዕሊ 14 ሚልዮን ትርብዒት ሜተር ማይ ክትሕዝ ዓቕሚ ዘለዋ ዲጋ ተኮር ከምእተሃንጸትን ብቑዕ ላቦራቶሪ ከምዝቖመን ዝጠቐሰ ኢንጂነር ገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት ግዝያዊ ጸገማት ገዲፍካ፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን መዓልታዊ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ዝተጻረየ ማይ ንህዝቢ ከምዝዕደል ኣረዲኡ። ብዘይካ’ዚ፡ ዝኣረገ ሻምብቆታት ማይ ብሓድሽ ንምትካእ ብዝተተግበረ መደብ፡ 42 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ መስመር ብምቕያሩ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 85 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ኣስመራ ማይ ብመስመር ኪሰትዩ እንከለዉ፡ 15 ሚእታዊት ድማ ብቦጥ ከምዝሰትዩ ኣብሪሁ። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ ግና፡ በብእዋኑ ብዝኽሰት ሕጽረት ዝናብ፡ ዲጋታት እኹል ማይ ብዘይምውህላለን፡ ዝርካቡ ትሕዝቶ ንህዝቢ ብዓቐንን ብእብረን ይከፋፈል ከምዘሎ፡ ኢንጂነር ገብረኪዳን ብተወሳኺ ኣነጺሩ። ተቐማጦ እምኒ-ጸሊም - ንኡስ ዞባ ድባሩዋ፡ ካብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ - መንደፈራ ናብ ዓዶም ዘእቱ ሓሙሽተ ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ጸጊኖም። እቶም ልዕሊ 500 ነበርቲ፡ ነቲ ብክራማት ተባላሽዩ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ሓመድ ጽርግያ ናይ ምጽጋን ስራሕ፡ ልዕሊ 50 ጽዕነት መኪና ምሩጽ ሓመድ ብምቕራብን ብጉልበቶም ኣእማን ብምእካብን’ዮም ኣሰላሲሎምዎ። ኣነባበርቲ ዓዲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣገዳስነት ጽርግያ ወሳኒ ብምዃኑ ህዝቦም ወዲቦም ነቲ ስራሕ ከምዝዓመምዎ ጠቒሶም፡ ማይ-ክዖታትን ሩባታትን ንምግዳብ ኣብ ዘካይድዎ ተመሳሰሊ ስራሕ፡ ናይ ጋብዮን ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም። እምኒ-ጸሊም፡ ካብ ድባርዋ ንሸነኽ ደበባዊ ምዕራብ ኣስታት ሸውዓተ ኪሎ- ሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ። ተቐማጦ እምኒ- ጸሊም ጽርግያ ይጽግኑ እኩብ ግጥምታት ዝሓቘፈት “መሳግሮ” ዘርእስታ ብመምህር ኣማረ ወልደስላሰ ዝተዳለወት መጽሓፍ፡ ብ3 ሰነ ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ተመሪቓ። እዛ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ዝተዳለወ 62 ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ንማሕበራዊ፡ ሃገራዊ፡ ኮማውን ውልቃውን ጉዳያት ተልዕል። ደራሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግጥማዊ መጽሓፍ ብርቂ ኣረኣእያ ክንጸባረቐሉ ምኽኣል ኣኻሊ ስለዘይኮነ፡ ንዝያዳ ኣዕጋቢ ውጽኢት መሳጢ ኣቀራርባን ደረጅኡ ዝሓለወ ስልቲ ኣጸሓሕፋን ክህልዎ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብሪሁ። ገምጋም ናይ’ታ መጽሓፍ ዘቕረበ ኢንጅነር ተኽለሃይማኖት የማነ ድማ፡ ክውንነት፡ ፈጠራውነትን ብልሓት ኣእምሮን ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ግጥሚ ምዃኖም ጠቒሱ፡ መጽሓፍ “መሳግሮ” ንሓፈሻዊ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን መንፈሳውን ዛዕባታት ኣዛኒቓ ብመሳጢ ኣቀራርባ ዝተዳለወት ኮይና ከምዝረኸባ ኣረዲኡ። እኩብ ግጥምታት ዝሓቘፈት መጽሓፍ ተመሪቓ ወሃብቲ ርእይቶ ድማ፡ ጸሓፍቲ፡ ግጥሚ ብቚጡብ ቃላት ብዙሕ ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ድንቂ ጥበብ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙን ናብ ወሎዶታት ዝመሓላለፍ ስራሕ ከበርክቱን ተላብዮም። ቅነ ውዳቤታት መንእሰያት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ካብ 1 ክሳብ 3 ሰነ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተቓኒዑ። ዕላማ ናይ’ዚ ብሃማመተኤ ናይ’ቲ ዞባ ተወዲቡ ዝተኻየደ ቅነ፡ መንእሰያት ውዳቤታቶም ኣሐዪሎም፡ ባህላውን ስነ- ጥበባውን ክእለቶም ተጠቒሞም ኣብ ክብሪ ናጽነትን ሃገርን ዘለዎም ተራን ኣበርክቶን ንምንጽብራቕ ምዃኑ፡ ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ቅነ ተገሊጹ። እቲ ብደረጃ ዞባ ንካልኣይ ግዜ ዝተኻየደ ቅነ ውዳቤታት መንእሰያት፡ ኣብ ቅንያት ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት ምክያዱ ጋሽ-ባርካ - ቅነ ውዳቤታት መንእሰያት ተኻዪዱ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝርከብ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ባሕሪ፡ ብዓውድታት ሃብቲ ዓሳ፡ ሕርሻ ባሕሪ፡ ምህንድስና ባሕሪን ባዮ-ተክኖሎጅን ዘምሃሮም 60 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 171 ተመሃሮ፡ ብ3 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ትምህርቲ ዝውዕል ወፍሪ ገዚፍ ወለድ ስለዝሕፈሶ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ዓቢ ባጀት ዝስለዓሉ ጽላት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዘለናዮ ዘመን፡ ዘመነ ፈጠራውነትን ምርምርን ስለዝኾነ፡ ተመረቕቲ ነቲ ብክልሰ-ሓሳብ ዝተመሃርዎ ብግብሪ ክሰርሑሉ ጥጡሕ ባይታ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ዲን ናይ’ቲ ኮሌጅ ዶ/ር ዘከርያ ዓብዱልከሪም ድማ፡ እቲ ኮለጅ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዓይነትን ደረጃን መሰረታዊ ለውጢ ከምዘምጽአ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ’ውን ብኡ መጠን እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ብምብራህ፡ ንዝሓሸ ብቕዓት ተወሳኺ ወፍሪ ክግበረሉ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምሩቓት ነቲ ኣብ ኮሌጅ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ብግብሪ ክዓዩሉ ተላብዩ። ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽላት ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ባሕሪ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ትምህርትን ምምዕባል ሰብኣዊ ዓቕምን ዝገብሮ ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ምዃኖም ብምሕባር፡ ዕለተ መመረቕታ ከቢድ ሓላፍነት ከም እተሰክሞም ብምግንዛብ፡ ኣብ ዝተመደብዎ ቦታ ብትግሃትን ተወፋይነትን ንኽሰርሑ ድልውነቶም ኣረጋጊጹ። ኮሌጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን ባሕሪ፡ ዓውድታት ሃብቲ ዓሳ፡ ሓርሻ ባሕሪ፡ ባዮ ተክኖሎጂን ምህንድስና ባሕርን ዘጠቓልል ክፍልታት ክህልዎ እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ንታሽዓይ ግዜኡ’ዩ ዘመርቕ ዘሎ። ዛጊት ድማ፡ ኣስታት 1500 ተመሃሮ ብዲግርን ዲፕሎማን ከምዘመረቐ፡ ሰነዳቱ የመልክቱ። ንመንእሰያት ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ፡ ኣብቲ ቅነ ዝቐረቡ መደባት ድማ ብትሕዝቶን መንፈስን ንናይ መኸተን ልምዓትን ቃልሲ መሰረት ዝገበሩ ከምዝኾኑ’ውን ተሓቢሩ። ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ መንእሰይ ግደ ሰቛር፡ ኣብ ጒዕዞ ርብዒ ዘበን ናጽነት ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰያት ብመባእታዊ ሞያታት ከምዝሰልጠኑ፣ ከምኡ’ውን ንቕሓቶምን ኣፍልጦኦምን ዘበርኽ ሰሚናራትን ጎስጓሳትን ከምእተኻየደ፣ መንእሰያት ኣብ ፈስቲቫላትን ሃገራዊ በዓላትን ዓቢ እጃም ከምዘበርከቱ፡ ከምኡ’ውን ክብርታት ሰውራ ንምዂላዕን ንምዕቃብን ዓቢ ስራሕ ከምእተዓመ ሓቢሩ። ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ድማ፡ መንእሰያት ንዘለዎም ብልጫታት ዓቂቦም ኣበርክቶኦም ከሐይሉ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ውዳቤታት ብዝሓየለ መልክዕ ክድፍኣሉ ኣዘኻኺሩ። ኣብ’ቲ ቅነ ስእላዊ ምርኢት፡ ድግማ ሰውራዊ ደርፍታት፡ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠትን ልዝብ መንእሰያትን ዘጠቓለለ ንጥፈታት ተኻዪዱ። ገጽ 5 መጉዚትነት ንኣቦዶ ንኣደ? ገጽ 9 ካርኒቫል ስፖርት፡ ጉዕዞ ስፖርት ርብዒ ዘመን ኣብ ደቓይቕ ስ/ የማነ ኣብራሃ

ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

  • Upload
    others

  • View
    38

  • Download
    1

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

መበል 25 ዓመት ቁ. 240 ሰንበት 5 ሰነ 2016 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 2ከመስግኖም

ገጽ 3“ብኣሃዶይ ምትብባዕ . . .”መንእሰይ መኮነን ክፍለ

ገጽ 6መራግእቲ

ኣብ ገጠራት ዞባ ማእከል ቅድሚ ናጽነት 7 ሚእታዊት ጥራይ ዝነበረ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብዝተኻየደ ጻዕሪ ናብ 97 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ የማነ ኣባይ ገሊጹ።ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ የማነ፡ ኣብ’ቲ

ዞባ ካብ ዝርከባ 86 ዓድታት እተን 83 ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረኽባ እንከለዋ፡ ናይተን ዝተረፋ 3 ዓድታት ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።ትሕተ-ባይታዊ ማይ ብምህብታም

ሕርሻዊ ልምዓት ንምድንፋዕ ብዛዕባ ዝተሰላሰለ ዕማም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ኣቶ የማነ፡ ቊጽሪ ዲጋታት ካብ 44 ናብ 120 ክብ ከምዝበለን ኣስታት 2500 ሄክታር የልምዓ ከምዘለዋን፡ ካብ ሓደ ሄክታር ዝርከብ ዝነበረ 10 ኩንታል ምህርቲ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብጥሙር ማሕረስ ካብ ሄክታር ክሳብ 30 ኩንታል ይሕፈስ ከምዘሎ ኣብሪሁ።ንቐረብ ዝስተ ማይ ከተማ

ብዝምልከት ንኤሪና ሓበሬታ ዝሃበ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ጽሩይ ማይን ረሳሕ ፈሳስን ኢንጂነር ገብረኪዳን ግርማጽዮን ድማ፡ ቊጽሪ ተቐማጦ ከተማ ኣስመራ በብእዋኑ ብምውሳኹ፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምብጻሕ ሓያሎ ስራሓት’ኳ እንተተሰላሰሉ ገና ጸገማት ከምዘሎ ሓቢሩ።ድሕሪ ናጽነት ቀረብ ማይ

ንምምሕያሽ ብዝተኻየደ ጻዕርታት፡

ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምውሓስ ጻዕርታት ይካየድ

ልዕሊ 14 ሚልዮን ትርብዒት ሜተር ማይ ክትሕዝ ዓቕሚ ዘለዋ ዲጋ ተኮር ከምእተሃንጸትን ብቑዕ ላቦራቶሪ ከምዝቖመን ዝጠቐሰ ኢንጂነር ገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት ግዝያዊ ጸገማት ገዲፍካ፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን መዓልታዊ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ዝተጻረየ ማይ ንህዝቢ ከምዝዕደል ኣረዲኡ። ብዘይካ’ዚ፡ ዝኣረገ ሻምብቆታት

ማይ ብሓድሽ ንምትካእ ብዝተተግበረ መደብ፡ 42 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ መስመር ብምቕያሩ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 85 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ኣስመራ ማይ ብመስመር ኪሰትዩ እንከለዉ፡ 15 ሚእታዊት ድማ ብቦጥ ከምዝሰትዩ ኣብሪሁ። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ ግና፡ በብእዋኑ

ብዝኽሰት ሕጽረት ዝናብ፡ ዲጋታት እኹል ማይ ብዘይምውህላለን፡ ዝርካቡ ትሕዝቶ ንህዝቢ ብዓቐንን ብእብረን ይከፋፈል ከምዘሎ፡ ኢንጂነር ገብረኪዳን ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ተቐማጦ እምኒ-ጸሊም - ንኡስ ዞባ ድባሩዋ፡ ካብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ - መንደፈራ ናብ ዓዶም ዘእቱ ሓሙሽተ ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ጸጊኖም። እቶም ልዕሊ 500 ነበርቲ፡ ነቲ

ብክራማት ተባላሽዩ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ሓመድ ጽርግያ ናይ ምጽጋን ስራሕ፡ ልዕሊ 50 ጽዕነት መኪና ምሩጽ ሓመድ ብምቕራብን ብጉልበቶም ኣእማን ብምእካብን’ዮም ኣሰላሲሎምዎ። ኣነባበርቲ ዓዲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ

ሓበሬታ፡ ኣገዳስነት ጽርግያ ወሳኒ ብምዃኑ ህዝቦም ወዲቦም ነቲ ስራሕ ከምዝዓመምዎ ጠቒሶም፡ ማይ-ክዖታትን ሩባታትን ንምግዳብ ኣብ ዘካይድዎ ተመሳሰሊ ስራሕ፡ ናይ ጋብዮን ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም።እምኒ-ጸሊም፡ ካብ ድባርዋ ንሸነኽ

ደበባዊ ምዕራብ ኣስታት ሸውዓተ ኪሎ-ሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ።

ተቐማጦ እምኒ-ጸሊም ጽርግያ

ይጽግኑ

እኩብ ግጥምታት ዝሓቘፈት “መሳግሮ” ዘርእስታ ብመምህር ኣማረ ወልደስላሰ ዝተዳለወት መጽሓፍ፡ ብ3 ሰነ ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ተመሪቓ።እዛ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ዝተዳለወ

62 ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ንማሕበራዊ፡ ሃገራዊ፡ ኮማውን ውልቃውን ጉዳያት ተልዕል።ደራሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግጥማዊ

መጽሓፍ ብርቂ ኣረኣእያ ክንጸባረቐሉ ምኽኣል ኣኻሊ ስለዘይኮነ፡ ንዝያዳ ኣዕጋቢ ውጽኢት መሳጢ ኣቀራርባን ደረጅኡ ዝሓለወ ስልቲ ኣጸሓሕፋን ክህልዎ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብሪሁ።ገምጋም ናይ’ታ መጽሓፍ ዘቕረበ

ኢንጅነር ተኽለሃይማኖት የማነ ድማ፡ ክውንነት፡ ፈጠራውነትን ብልሓት ኣእምሮን ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ግጥሚ ምዃኖም ጠቒሱ፡ መጽሓፍ “መሳግሮ” ንሓፈሻዊ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን መንፈሳውን ዛዕባታት ኣዛኒቓ ብመሳጢ ኣቀራርባ ዝተዳለወት ኮይና ከምዝረኸባ ኣረዲኡ።

እኩብ ግጥምታት ዝሓቘፈት መጽሓፍ ተመሪቓ

ወሃብቲ ርእይቶ ድማ፡ ጸሓፍቲ፡ ግጥሚ ብቚጡብ ቃላት ብዙሕ ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ድንቂ ጥበብ ምዃኑ

ተረዲኦም፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙን ናብ ወሎዶታት ዝመሓላለፍ ስራሕ ከበርክቱን ተላብዮም።

ቅነ ውዳቤታት መንእሰያት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ካብ 1 ክሳብ 3 ሰነ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተቓኒዑ።ዕላማ ናይ’ዚ ብሃማመተኤ ናይ’ቲ

ዞባ ተወዲቡ ዝተኻየደ ቅነ፡ መንእሰያት ውዳቤታቶም ኣሐዪሎም፡ ባህላውን ስነ-ጥበባውን ክእለቶም ተጠቒሞም ኣብ ክብሪ ናጽነትን ሃገርን ዘለዎም ተራን ኣበርክቶን ንምንጽብራቕ ምዃኑ፡ ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ቅነ ተገሊጹ።እቲ ብደረጃ ዞባ ንካልኣይ

ግዜ ዝተኻየደ ቅነ ውዳቤታት መንእሰያት፡ ኣብ ቅንያት ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት ምክያዱ

ጋሽ-ባርካ - ቅነ ውዳቤታት መንእሰያት ተኻዪዱ

ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝርከብ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ባሕሪ፡ ብዓውድታት ሃብቲ ዓሳ፡ ሕርሻ ባሕሪ፡ ምህንድስና ባሕሪን ባዮ-ተክኖሎጅን ዘምሃሮም 60 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 171 ተመሃሮ፡ ብ3 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ

ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ትምህርቲ ዝውዕል ወፍሪ ገዚፍ ወለድ ስለዝሕፈሶ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ዓቢ ባጀት ዝስለዓሉ ጽላት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዘለናዮ ዘመን፡ ዘመነ ፈጠራውነትን ምርምርን ስለዝኾነ፡

ተመረቕቲ ነቲ ብክልሰ-ሓሳብ ዝተመሃርዎ ብግብሪ ክሰርሑሉ ጥጡሕ ባይታ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ዲን ናይ’ቲ ኮሌጅ ዶ/ር ዘከርያ

ዓብዱልከሪም ድማ፡ እቲ ኮለጅ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዓይነትን ደረጃን መሰረታዊ ለውጢ ከምዘምጽአ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ’ውን ብኡ መጠን እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ብምብራህ፡ ንዝሓሸ ብቕዓት ተወሳኺ ወፍሪ ክግበረሉ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምሩቓት ነቲ ኣብ ኮሌጅ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ብግብሪ ክዓዩሉ ተላብዩ። ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ ውጽኢት

ናይ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽላት

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ባሕሪ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ

ትምህርትን ምምዕባል ሰብኣዊ ዓቕምን ዝገብሮ ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ምዃኖም ብምሕባር፡ ዕለተ መመረቕታ ከቢድ ሓላፍነት ከም እተሰክሞም ብምግንዛብ፡ ኣብ ዝተመደብዎ ቦታ ብትግሃትን ተወፋይነትን ንኽሰርሑ ድልውነቶም ኣረጋጊጹ። ኮሌጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን ባሕሪ፡

ዓውድታት ሃብቲ ዓሳ፡ ሓርሻ ባሕሪ፡ ባዮ ተክኖሎጂን ምህንድስና ባሕርን ዘጠቓልል ክፍልታት ክህልዎ እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ንታሽዓይ ግዜኡ’ዩ ዘመርቕ ዘሎ። ዛጊት ድማ፡ ኣስታት 1500 ተመሃሮ ብዲግርን ዲፕሎማን ከምዘመረቐ፡ ሰነዳቱ የመልክቱ።

ንመንእሰያት ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ፡ ኣብቲ ቅነ ዝቐረቡ መደባት ድማ ብትሕዝቶን መንፈስን ንናይ መኸተን ልምዓትን ቃልሲ መሰረት ዝገበሩ ከምዝኾኑ’ውን ተሓቢሩ።ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ

መንእሰይ ግደ ሰቛር፡ ኣብ ጒዕዞ ርብዒ ዘበን ናጽነት ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰያት ብመባእታዊ ሞያታት ከምዝሰልጠኑ፣ ከምኡ’ውን ንቕሓቶምን ኣፍልጦኦምን ዘበርኽ ሰሚናራትን ጎስጓሳትን ከምእተኻየደ፣ መንእሰያት ኣብ ፈስቲቫላትን ሃገራዊ በዓላትን ዓቢ እጃም ከምዘበርከቱ፡

ከምኡ’ውን ክብርታት ሰውራ ንምዂላዕን ንምዕቃብን ዓቢ ስራሕ ከምእተዓመ ሓቢሩ።ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ

ኣሕመዲን ድማ፡ መንእሰያት ንዘለዎም ብልጫታት ዓቂቦም ኣበርክቶኦም ከሐይሉ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ውዳቤታት ብዝሓየለ መልክዕ ክድፍኣሉ ኣዘኻኺሩ።ኣብ’ቲ ቅነ ስእላዊ ምርኢት፡

ድግማ ሰውራዊ ደርፍታት፡ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠትን ልዝብ መንእሰያትን ዘጠቓለለ ንጥፈታት ተኻዪዱ።

ገጽ 5መጉዚትነት ንኣቦዶ

ንኣደ?

ገጽ 9ካርኒቫል ስፖርት፡ ጉዕዞ

ስፖርት ርብዒ ዘመን ኣብ ደቓይቕ

ስ/ የማነ ኣብራሃ

Page 2: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሰነ 2016 - ገጽ 2መበል 25 ዓመት ቁ. 240

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ጠፍ ዘምጽኦ ሰበብ

25 ሕዳር 2015 ኣስመራ

ናብ ስራሕ ንኣትወሉ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቐ. እዩ። ኣነ ግን ኣብ ዓራተይ ልክዕ ኣብቲ ዝኣትወሉ ሰዓት’የ ተበራቢረ። ብዘይ ልበይ ተብተብ እናበልኩ ገና ብብዕጉገይ ኣፍደገ ስራሕና በጻሕኩ። ኣብ ኣፍደገ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈትና ብዙሕ ሰብን መኪናን ጸኒሑኒ፡ እናተገረምኩ ልዳት ተሳገርኩ። ድሕሪ

ልዳት ዘላ ኮረድዮ ሓበሬታ ዝልጠፈላ ሰሌዳ ኣላ። ሓበሬታ ዘንብቡን ሰላም ዝብሃሉን ክልተ ጕጅለ ነቲ መገዲ መሊኦሞ ነበሩ። እዚ ዕለት ደሞዝና ንኽፈለሉ ዕለት ምዃኑ ዘከርኩ። ቍሩብ ከኣ ፍዅስ በለኒ። “ኣበይ ደኣ ደንጕኻ?” እንተ ተባሃልኩ፡ “ንእግረ-መገደይ ደሞዝ ተማሊአ፡” ኢለ ከመኽኒ እኽእል እየ። ሰዓተይ እንተ ረኣኹ ምስ

ዕስራ’ዩ ዝነበረ። ኣዝየ ኣየኽፋእኩን። ብባህረይ ምኽኒት ኣይፈቱን እየ። ሓሲኻ ምምኽናይ ከኣ’ሞ ፈጺሙ ኣየቕስነንን እዩ። ኣሳጕማይ ወሲኸ ቤት ጽሕፈተይ ክኣቱ ይቐለኒ ብምንባሩ ክቕልጥፍ ጀመርኩ።

እቶም ኣብ ቅድመይ ዘንብቡን ዝሰዓዓሙን ዝነበሩ ክልተ ጕጅለታት፡ ነዛ መገዲ ግጥም ኣቢሎም ዓጽዮማ ነበሩ። ቅነ ደሞዝ ቅርዓት ማእከላይ ቤት ጽሕፈትና ከምኡ’ዩ። በዚ ንሓደ ሰላም እናበልካ፡ በቲ ካልእ ስምካ ይጽውዕ፣ ብዘይ ልብኻ መን ምዃኑ ከይፈለጥካ ኢኻ ሰላም ትብሎ። ንሓደ ብማዕዶ ዝረኣኻዮ ሰብ ሰላም ክትብል ዘወዛወዝካያ ኢድካ፡ ዘይሓሰብካዮ ብዙሓት ኣእዳው’የን ዓጸፋ ዝምልሳልካ። እኩብ ሰብ ዓቕለይ’ዩ ዘጽብበለይ። ዝበዝሐ ግዜ ቅልጥፍ ኢለ ክስወር እመርጽ።

ብየማን ሸነኽ ዝነበራ ኣዋልድ ይስዓዓማ

ነበራ። ብእአን ክሓልፍ ስለ ዝቐለኒ፡ ናብአን ገጸይ ኣበልኩ። ቍመታ ክንዳይ እትኸውን ጽቡቕ ዝነብሳ ጐርዛ ነታ ከተሕልፈኒ ዝተጸበኹዋ፡ ናብ መንደቕ ዝነበረት ከፋት ቦታ ዕብስ ኣቢላ ምስ ፈላጢታ ትሰዓዓም ነበረት። ብየማነይቲ ኢደይ ኣብ ዝባና ቍሩብ ድፍእ ኣቢለ ክሓልፍ እንተ በልኩ ነቕ ምባል ኣበየትኒ። ኣማራጺ የብለይን ኣብ ዝባና ክልተ ግዜ ጠፍ…ጠፍ ኣበልኩዋ። ሕጂ ግርም ተፈሊጡዋ፡ መን ምዃነይ ክትርኢ ጥውይ ምስ በለት፡ “ይቕሬታ በዚኣ ክሓልፍ፡” ኢለ ስቱኽ ኢለ ሓለፍኩ። ናብ ኦፊሰይ ዘደይብ መሳልል ክሕዝ፡ ኣብ ቅድመይ ዝነበሩ ብድሕረይ ሰብ ይጽዋዓኒ ከም ዘሎ ናብ ድሕረይ ኣመልከቱለይ። ደው ከይበልኩ’ኳ ግልጽ እንተበልኩ፡ ትጽውዓኒ ዝነበረት ምስ ረኣኹ ብዘይ ልበይ’የ ደው ኢለ። እታ ኣብ ዝባና ጠፍ ኣቢለያ ዝሓለፍኩ ጓል ነበረት።

“እንታይ ደኣ ዝባን እናማትካ ዘቢጥካ ትም ኢልካ ድዩ ዝኽየድ?” ገና ከይቀረብኩዋ እናተፈሸኸት ሕቶ ደርበየትለይ። ከደረይቲ፡ ፍርይቲ ዓይኒ፡ ጽብቕቲ ከንፈር፡ ጽብቕቲ ኣፍንጫ፣ ልስሉስ ቈርበታ፡ ዝፍተወኒ ዓይነት ተኽለ ሰብነታ፡ ክምስትኣ’ሞ ነይሩዎ ሓለፋ። እዚኣስ ተበሪሁኒን ከይተሃወኽኩን ከለኹ ክትረኽበኒ ነይሩዋ።

“እዋእ…” ጥራይ በልኩ ንሰላምታ ዝሰደደቶ ኢዳ እናጨበጥኩ። ክምስምሳ ከጸብቐላ ጉድ’ዩ። ማዕረ ቍመተይ፡ ደው ኢላ ብፍሕሹው ገጽ ክጥምተኒ እንከላ፡ ንኽልተና ብውሽጠይ ፈላልየ ክርኢ ፈቲነ። ኣነ ብዕጉግ፡ ገጹ ጽቡቕ ገይሩ ዘይተሓጽበ፡ ህዉኽ፡ ንምንታይ ተጸዊዑ

ዘይፈልጥ ሰብ ነበርኩ። ንሳ ፍሕሽውቲ፡ ዘይትጋየሽ፡ ጽብቕቲን ጽፍፍቲን ገለ ክትብል ዝደለየት ትመስል ነበረት።

“ኣይትሓዝለይ ተሕምመኪ ኣይመሰለለንን…።”

“ከምቲ ዓርክኻ ዝገበሮ ጽባሕ ከይተሕመኒ እምበር እወ ሓቅኻ ተሕምም ኣይኰነትን።”

“መን ዓርከይ?” ተደናጊረ።

“ዓርክኻ ከምኣ ገይሩዶ ኣይኰነን…”

“ኣይትሓዝለይ ኰሊፈኪ… ቅድሚ ሕጂ ንፋለጥ ዲና?”

“ጋጊኻኒ ምሽ?”

“እዋይ ነዚ ዝመስል መልክዕን ነብሲን እፈልጦ እንተነይረ ክጋግዮ ኣይክእልን’የ እምበር፡” ንመጀመርታ ግዜ ፍሽኽ በልኩ።

“ሃሃ…ሃሃሃ… ዓርክኻ ከመይ ኢልካ ከም ዝውደስ ምሁራካ’ዩ ኖ?”

“መን ዓርከይ’ዩ? ኣበይ፡ መዓስ ኢና ንፋለጥ?”

“ደሓን ተራይ ክሳዕ ዝኣክል፡ ሕጂ ኢኻ

ትኣቱ ዘለኻ መስለኒ’ሞ ፈሪምካ ምጻእ ሽዑ

ከዘክረካ’የ፡” ብምባል ንሳ’ውን ጠፍ ኣቢላ

ኣበገሰትኒ። ኣስካላ ኦፊስና እናደየብኩ ክሳዕ

ዝኽወል ጠመትኩዋ። ኣበይ ከም ዝፈልጣ

ክዝክር ኣይከኣልኩን። ፈሪመ ናብኣ

ዝምለሰሉ ክልተ-ሰለስተ ደቓይቕ ምጽማም

ስኣንኩ። ….

ሓይለዝጊ ገብረህይወት

ኣስመራ፣ 10፡30 ቅ.ቐ. 29 ግንቦት 2016

ጆርናል

ከመስግኖም

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ዳየሪዳየሪ

ከመይ ቀኒኺ ካልአይተይ። ኣብ መገሻይ ምሳይ ብዘይ ምንባርኪ እቲ ክገልጸልኪ ዝደልዮ ኣብ ግዜኡ ክሓናጥጥ ኣይከኣልኩን። ብዘይ ምኽኣለይ’ውን እነሀልኪ ኩሉ ሓሳበይ ፋሕፋሕ ኣትዩዎ፣ ከመይ ኢለ’ሞ ክገልጸልኪ እየ? በየን ጀሚረ በየን ከም ዝውድኦ ይርደኣኒ የለን። ምኽንያቱ፡ ንሓሳባተይ

መግለጺ ዝዀኑ ቃላት ስኢነሉ።

ስራሕና ብዘተጐናጸፈቶ ዓወት፡ ኩልና ተሳተፍቲ ናይቲ ዓወት ዝዀንና መንእሰያት ናብ ባጽዕ ዑደት ክንገብር ወሪድና። ብባህረይ ምስ ሰባት ብዙሕ ሕውስቲ ኣይኰንኩን። ኣብ ዝለመድክዎም እንተዘይኰይኑ። እታ ጽምዋ ዝመልኣ

ዓለመይ፡ ኣብ ጫውጫውታ ቀንያ። ኣዝየ ተሓጒሰ። ካብ በበይኑ ስድራ ዝተኣኻኸቡ ግን ከኣ ከምቲ በበይኑ ሕብሪ ዝውንን ክነሱ ንረኣይኡ ባህታ ዝህብን ግርማ ሰማይ ዝውስኽን ስሙር ሕብሪ ቀስተ ደበና። እዞም መጋይሽተይ ኣሕዋተይ’ውን ስሙራት፡ ብውህደቶም ንመገሻና መቐረት ወሲኾምሉ።

ሰብ ነናቱ ጽባቐ ከም ዘሎዎ ዝያዳ ካልእ እዋን ሎሚ ኣስተብሂለ። ገለ ሓጸርቲ ገለ ነዋሕቲ፡ ጸለምቲ ቀያሕቲ፡ ውዕያትን ዝሑላትን ክነሶም ውህደቶም ሓደ። ዘገርም’ዩ፡ ብፍላይ ኣብ ምምላስና ዝነበረ ሃዋህው’ሞ ክገልጸልኪ ኣይክእልን እየ። ካብ ባጽዕ ክሳብ ኣስመራ እንኣቱ “ሆ” እናበሉ ይጭፍሩ፣ ናይ ሓባር ጭርሖ ብሓደ ይጭርሑ፣ እናደረፉን እናተጫረቑን ኣስመራ ኣትዮም።

ናይ ሎሚ መገሻይ ፍሉይ ዝገብሮ እንተ’ሎ እቲ ዝወዓለ ጭርቃናት እዩ። ዝነበርናያ ሓራት ኣብ ክልተ ጕጅለ ተመቒላ። ብቕድሚት ዝነበሩ ሓደ ጕጅለ ብድሕሪት ከኣ ካልእ ጕጅለ እዮም ተኸፋፊሎም። ጭፈራ፡ ደርፍን ሳዕስዒትን ከኣ ኣብ ቦታኡ እዩ። ክገርመኪ፡ ዘይፈለጥናዮም ክንደይ ገጠምቲ ኣለውና። ንዓመታ እሞ ናይ ጎባልል ጎብለል ከብልዋ እዮም። ብግጥሚ ገይሮም ነንሕድሕደን ጕጅለ ክጻረፉ፡ ክጫረቑን ክመጓጐሱን ብሰሓቕ ኣፍና ከይከደንና ኣስመራ ኣቲና። እዚ ኩሉ ግን ንምስሓቕ እንተዘይኰይኑ ኣብ ልቢ ዝተርፍ ክፋእ ዘይብሉ ጭርቃን እዩ።

ካብቲ ዝነበረ ግጥምታት ብርሃነ፡ ወዲ-ዓሊን

ካልድን ንዓይ ኢሎም ዝገጠሙለይ እዩ። እቲ

ግጥሚ ኣክንዲ ኩሎም ወከልቲ ብምዃን’ዮም

ጽሒፎም ኣንቢቦሞ፣ አመስግኖም ድማ።

ኣነ’ውን፡ ሰኣን ዓቕመይ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ገጢመ

ዘየመስገንክዎም ቂር ኢሉኒ። ንኹሉ በጺሕና

ክሳብ ንምለስ ዝገበሩለይ ክብረትን ሓልዮትን ናይ

ልቢ ምስጋና ይብጽሓዮም። እንቋዕ ኣሕዋተይ

ኰንኩም ክብሎም እደሊ። እዚ ስምረቶም

ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክድልድልን ንመጻኢ ቀጻሊ

ዓወትን እምነየሎም።

ሄለን ዘርእዝጊ

ሕጂ ሰዓት 10፡08 ኣሎ። ኣእጋረይ ረሸሽ ኢሉ፡ ኣካለይ ተዋሊኡ ክንሱ መንፈሰይ ብኣንጻሩ ብዘይገልጾ ስምዒት ብሽሕ ሓይሊ ፈረስ ይጋልብ። ውዕሎይ ከም ሕልሚ ብስእለ ሓሳብ ይሸብብ። ነዚ ፈልፋሊ ስምዒት ብቓላት ኣፍሲሰ እንተ ዘይኣጕዲለዮ ከም ዘይቀስን ትፈልጢዶ ዳየረይ?

ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ’ዩ። ሕልመይ ንኸፍትሕ ብርዐይ ዓጢቐ፡ ስሳ ቈጽሊ ኣዋዲደ ናብቲ ፈታሒ ሕልሚ ሳጊመ። ኣብቲ ገፊሕ ኣደራሽ ብዙሓት ሓለምቲ’ዮም ጐኒፎምኒ - ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘሎዎም። ንሕብሮም ሓደ ቀባኣይ ንምሉእ ዕምሩ ላሕሚጡ ኣይምወድኦን። ብዕድመ፡ መልክዕ፡ ባህሪን ቕርጾምን ፍጽሙ ኣይራኸቡን።

እቲ ፈታሒ ሕልሚ ብሓደ ዓይነት ሓሳባት’ዩ ንሕልሞም ዝፈትሖ። ብቃላት ስነ-ጥበብ። ፈቲሕካ ዘይውዳእ እናሓለምካ ዝሕለም። ከም ማይ መቐረቱ ዘይምኖ። ንሓሙሽተ ወርሒ ጠምጠም ኢልናዮ። መንፈስና ከይዘቕበበ ተጸንቂቑ። ‘ጥዑም ኣብ ምውዱኡ’ዩ ዝምቅር’ ትብል ኣማል። ሓቃ’ያ! ሓንሲስና’ውን ክንመንዎ ኣይከኣልንን።

መቐረት መማህርተይ ብፍጹም ኣይተፈለጠንን ነይሩ። ሕልመይ ኣፍቲሐ ምስክር-ወረቐተይ ምስ ተቐበልኩ ግን ሓደ ሓይሊ ተንሲኡ፣ ምፍልላይ ሕሱም፡ ጽንዓት ይሃብካ ዘይርከቦ ሞት። ክንፈላለ ኣይደለኽዎን። እዋን ግን ተጠንቀቑ ከይበለ ኣኺሉ፡ ናፍቖት በቝሉ ማይ ምፍልላይ ምስ ዘነበ፡ ፍቕርና ሰዊዱ “ቻው” ዝብል ቃል ተሰምዐ…። እቲ ሃዋህው ክገልጾ ኣይክእልን’የ። ካብ ሲነማ ኣዝመራ ደድሕሪ ዕዱማት ወጺእና፡ ኣመት ንኽብርና ዝመጽኡ ፈተውትና ክንገብር ኣይከኣልናን። ብፍላሽ ካሜራታት ኣካልና ጽሕዲ ልደት መሰለ። ምስ ብዓል መን ተሳኢለ ክዝክሮ ኣይክእልን’የ።

ሓቝፈዮም እናተሳኣልኩስ ብሕትውና

ተሰሚዑኒ። ብጫውጫውታኦም እዝነይ ጸሚሙ ክንሱ፡ ጽምዋ ጽባሕ ተፈሊጡኒ። ንመዘከርታ ብኣእላፍ ተሳኢልና፡ ስእልታት ውሽጠይ ግን ዘረስዑ ኣይኰኑን። ኩሎም ኣብ ልበይ ተሰኒዶም ኣለዉ። ኮኾብ ተዋሳኢት ሜሮን ሃይለ ምስ ትሕትናኣ፡ ከም ኣንበሳ ኣብ መድረኽ ዝጓዝም ኣብርሃም፡ ውዑያት መሓዙት ዳናይት ጉፍላ፡ በረኸት መደበር ምስ ጊንጢ ባህሪኡ፡ ከም ህበይ ካብ ሰድያ ናብ ሴድያ ዝነጥር ሓዀተ፡ ምጭውቲ ፍጥረት ሜሪ፡ መቐረት ክላስና ጀምዓ ቺቸሮ፡ ብልቦና ተወሳኺ ዝምህሩ ወዲ ኣስካለ፡ ጸጋዝኣብ፡ ዓወት፡ መድሃኔታት፡ ሕሉፋት ሰሓቕቲ ዮርሳሌምን ልያን፡ ኣለዋን የለዋን ዘይፍለጣ ሩትን ንዓኣ ዝመስላን፣ እዋእ ዳየረይ ክዝርዝሮም እንተ ጀሚረ ቈጽልኺ ወዲአ ከቋርጽ ክግደድ’የ።

ብዓቢኡ ነቲ ምስጋና መምህረይ ንገለ ኣዋርሕ ክፍለዮ ምዃነይ ገሚተ እዳፋነቕ ኣለኹ። ዳየረይ እንተ ፎዀሰኒ ክነብዕዶ? ናይ ምንታይ ንብዓት ኢለ’የ እሞ ክገልጾ። ንብዓት ሓጐስ፡ ንብዓት ፍርሒ፡ ንብዓት ናፍቖት፡ ንብዓት ፍቕሪ፡ ንብዓት . . .። መግለጺኡ ንብዓት ሞዛይኳዊ ስምዒት’ዩ። ቀስተደበና ተቐኒተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከም ሓሙሽተ መዓልቲ ንቐዳመ ሰንበት ኣውጺእኻ ቍሒመየን።

ኣብ ኣፍ-ቀጽሪ ሲነማ ኣዝመራ ጐደና ሓርነት ወጺእና ክንፋኖ ጀሚርና። ንኽፋነዎም ኢደይ ይሰድድ፡ ክፍንዎም ግን ኣበደን፣ ጨቢጠየን ናይ ምድፍናቕ ዕላል እኸፍት። ምስ ሓደ ጸኒሕ ምስ ሓንቲ እቕጽል።

በቃ ይኣኽለኒ ቃላት ኣፍሲሰ ዝዝሕል ኣይኰንኩን። ክግምቦ’ሞ ብሓሳብ ውዕሎይ ከስተማቕር። ኣሰይ. . .! ከም ማይ መዋእልካ ሰቲኻዮ ዘይምኖ ፍሉይ መቐረት።

ሚሊ - “ድባርባ”

ኣስመራ 27 መጋቢት 2016

ዘይምኖ መቐረት

ቀዳማይ ክፋል

Page 3: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሰነ 2016 - ገጽ 3መበል 25 ዓመት ቁ. 240

Page 4: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሰነ 2016 - ገጽ 4መበል 25 ዓመት ቁ. 240

ሲራክዊንታ ገረዝግሄር

2ይ ክፋል

ሳሌም፡ እቲ ሲራክ ከም ጠበቓኣ ዝነበረሉ ግዜ ዝጎየየላ፡ ተስፋ ኣብ ዝቘረጸትሉ እዋን ልዕሊኣ ተሰሚዕዎ ሓገዝ ዝገበረላ፡ ዘኽቲመ ዝብል ስምዒት ረሲዓ ተስፋ ከም እትገብር ሞራል ዝሃባን ካልእን ተዘከራ። ስለዚ ንሳ’ውን ንኸምዚ ዓይነት ሰብ ክትከስር ድልውቲ ኣይነበረትን። “ጸገም የለን ሚስኮል ግበረለይ እሞ ኣነ ከኣ ተሌፎንካ ክሕዛ፡” ድሕሪ ምባል ሰላምታ ተለዋዊጦም ተፈላለዩ።

************* ሲራክ ገዝኡ ምስ ኣተወ ብሓጎስ

ዝሕዞን ዝጭብጦን’ዩ ጠፊእዎ። ዝያዳ ኩሉ ግዜ ነቲ ሓዉን ብተወሳኺ’ውን ቀንዲ ዓርኩን ዝዀነ ዳኒኤል ክነግሮ ተሃወኸ። እዚ ዜና’ዚ ዝያዳ ካልእ ሰብ ንዳኒኤል ከምዘሐጉሶ ይፈልጥ እዩ።

********************* ኣብ ህዝባዊ ቤት ንባብ ሰዓት

6 ድ.ቀ ሃንደበት ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ናይቲ ቦታ ጥሒሳ ናይ ሳሌም ተሌፎን ብናይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ‘ክህልወልኪ’ እትብል ደርፊ ክትጽውዕ ጀመረት። ‘ምደለኹ’የ ሕጂ ክንደይ ምደለኹ ከሐንቅቀኪ ክኣባብደኪ...’ ሳሌም ድሕሪ ናይ ሰሙን ዕረፍቲ’ያ ስራሕ ኣትያ። ድምጺ ናይ ሞባይላ ከተጥፍኦ ዝግባእ ድማ ኣየጥፍኣቶን። በዚ ምኽንያት ልባ ጠፊእዋ ቀልጢፋ መቐበሊ መልጎም ብምጥዋቕ ንደገ ወጸት። “ሄለው ሲራክ፡ ከመይ ቀኒኻ?” ካብ ባጽዕ ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ’ዩ ዝድውለላ ነይሩ።“ሄለው ሳሌም፡ ደሓን’የ ከመይ

ቀኒኺ? ስራሕ ጀሚርኪዶ?” ብትሑት ድምጺ መለሰ።“እወ ጀሚረ፡ ሕጂ’ውን ኣብኡ’የ

ዘለኹ። እንታይ ደኣ ድምጽኻ ትሒቱ፡ ኣበይ ዲኻ ዘለኻ?”“ትሒቱ ምሽ ሓቅኺ፡ ናይ ንፋስ

ምቕያር ዌልካም እያ መስለኒ ሒዛትኒ። ኣብ ሆስፒታል’የ ዘለኹ፡” ሽዑ’ውን ብትሑት ድምጺ መለሰላ። ሳሌም ነዚ ምስ ሰምዐት ልባ ኣብ

ሓደ ክትቀውም ተፈለጠታ። ናይ ስንባደ ስምዒት’ውን ወረራ። ትብሎ ጠፊእዋ ተሌፎና ካብ እዝና ኣውሪዳ ኣብ ጥቓኣ ናብ ዝነበረ መንደቕ ተጸግዐት። “ሄለው፡ ሄለው ሳሌም፡ ኣለኺዶ?”

ሲራክ መልሲ ምስ ሰኣነ ጌጋ ከም ዝገበረ ተረዲእዎ ካብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ኮፍ መበሊ ናይ ቤት ንባብ ተሲኡ ኣብ ቅድሚኣ ቆመ። ሳሌም ሽዑ’ውን ኣየስተውዓለትሉ። “ሃይ ሳሌም

ከመይ ዊዒልኪ፡ ይቅሬታ ኣሰንቢደኪ ምሽ፡ ኣይትሓዝለይ ክላገጽ ኢለ’የ፡” ብምንታይ ከም ዘረድኣ ጠፊእዎ ብኢዳ ሒዙ ዓይኒ ዓይና ጠመታ። ሳሌም በቲ ትሪኦ ዝነበረት ስምዒታ

ተሓዋዊሱ ንገለ ካልኢታት ኣብ ዘላቶ ደረቐት። “ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኣይትግበር፡ ሕጂ ግን ስራሕ ክኣቱ፡” ኢላ ኣእዳዋ ካብ ኢዱ ከተሙሉቕ ጀመረት። ሲራክ ንጣዕሳኡ ዝኸውን ቃላት

ኣይነበሮን። ግዜ ከም ዘድልያ ተረዲኡ ድማ፡ “ይቕረታ ኪዲ ደሓን። ክሳብ ትፍደሲ ኣብዚ ከንብብ ክጸንሓኪ’የ፡” ኢዳ ፈነዋ። “ሕራይ” መሪሓቶ ኣተወት።

እታ ሰዓት ክሳብ ትኣክል ክልቲኦም ዝዀነ ስራሕ ክሰርሑ ኣይከኣሉን። ሲራክ ከይሓሰበ ከምኡ ብምግባሩ ምስ ነብሱ ባእሲ ተተሓሓዞ። “ኣየ ሲራክ፡ ኩሉ ሰብ መቸም ኣብ ናትካ ሙድ ዘሎ’ዩ ዝመስለካ፡” ብውሽጡ ተዛረበ። ሳሌም’ውን ብወገና ስለምንታይ ማዕረ

ክንድኡ ሰንቢዳ፡ ሓሳብ ከተውርድን ከተደይብን ኣሕለፈቶ። ሰዓት 8 ኰይኑ ሳሌም ካብ ስራሕ እትወጸሉ ሰዓት’ዩ። ሲራክ ዓይና ንምጥማት ድፍረት ስኢኑ ሰሰሪቑ ክሕልዋ ጀመረ። ቦርሳኣ ከተልዕል ምስ ረኣያ ዝሓዞ መጽሓፍ ኣቀሚጡ ሰዓባ።

*** ሲራክን ሳሌምን ንገለ ደቓይቕ

ብስቕታ ተጓዓዙ። “ሳሌም ይቕሬታ! ነቶም ዘንብቡ ዝነበሩ ከይርብሽ ኢለ ቀስ ምስ በልኩ እንድየ ብኡ ገይረ ናብ ጸወታ ቀይረዮ” ክጻወር ዘይከኣለ ሲራክ ነቲ ዝነገሰ ጸጥታ ሰበሮ። ሳሌም ኣብዚ ግዜ’ዚ ስለምንታይ

ንሱ ከምኡ ገይሩ ኣይኰነን ነይሩ ሕቶኣ። ስለምንታይ ንሳ ማዕረ ክንድኡ ሰንቢዳ እዩ። ኣብ ቅድሚኡ’ውን ገለ ናይ ሕፍረት ስምዒት ኣምጺኡላ’ዩ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ኣርእስቲ ተረሲዑ ምጉታ ምስ ልባ ጥራይ ክዀነላ’ዩ ድሌታ። “ኖኖ መሓዛይ ከኣ ኣቐዲማ ተጸሊኡኒ ኢላትኒ ስለ ዝጸንሐት እኮ’ዩ ተደራሪቡኒ፡” ክተመኽኒ ሓሰወት። ሲራክ ቁሩብ ሃዲኣ ምስ

ረኣያ ሩፍታ ተሰምዖ። “ሓቅኪ እንዲኺ ደኣ ተደራሪቡኪ’ዩ። ኣነ ከኣ ንነብሰይ ክጸርፍ’የ ጸኒሐ። እሞ ኣዝያ ድያ ሓሚማ? ተሻቒልኪ እንተለኺ ከካይደኪ። ናይ ናፍቖት ከኣ ከይከውን፡ ክትመጽ’ያ። ማዕረ ክንድኡ ኣይትሻቐሊ፡” ከተሃዳድኣ ደለየ። “ደሓን’ያ፡ ሰዓል እያ

መስለኒ። ከምቲ ዝበልካዮ ከይኮነ

ግን ኣይተርፍን’ዩ። ድምጻ ደሓን’ዩ ዝመስል፡” ንሓሳቡ ደጊፋ ካብቲ ኣርእስቲ ክትወጽእ ደለየት። “ከመይ ቀኒኻኸ፡ ዓርቢ ጽቡቕዶ ኣቲኻ?” ሲራክ ጽቡቕ ምኽንያት

ዝረኸበ ኰይኑ እናተሰምዖ፡ “ኣምላኽ ይመስገን ጽቡቕ ኣትየ። ደሓር ከኣ ሽዑ ደሃየይ እንተ ትገብሪ’ኮ ሕጂ ክሕሱ ኣይምኸኣልኩን ነይረ፡” ከስሕቓ ፈተነ። “ሕጂ ደሃይ ናይ ዘይገበርኪ መቕጻዕትኺ ሻሂ ከተስትይኒ ኢኺ።” ንኹሉ ኩነታት መልሲ ክረኽበሉ

ዘይምጽጋሙ እናኣገረማ፡ “ንሱስ ሓቅኻ፡ እንተዀነ ሕጂስ ናብታ ሓሚማ ዝበልኩኻ መሓዛይ’የ ክኸይድ መዲበ ዘለኹ።” ናብታ ናይ ነዊሕ ዓመታት መሓዝኣ፡ ድሕሪ ሞት ኣቦኣ እውን የማነይቲ ኢዳ ዝዀነት መማኽርታ ማርታ ተሃዊኻ ነይራ። ሲራክ ንመጀመርታ

ግዜ ብሳሌም ዝተነጽገላ ኣ ጋ ጣ ሚ ብምዃኑ

ክወሓጠሉ’ኳ እ ን ተ ዘ ይ ከ ኣ ለ ድሌታ ከኽብር ስለ ዝነበሮ ግን ምስ ሓሳባ ተሰማሚዑ ክሳብ እንዳ መሓዝኣ ኣፋንይዋ ክደዋወሉ ተሰማሚዖም ተፈላለዩ።

**************** እታ ወትሩ ሰሓቕን

ጫውጫውታን ዘይፍለያ ገዛ እንዳ ማርታ ሽዑ’ውን ከም ቀደማ’ያ ነይራ። ሳሌም ካብታ ጽምዋ ዝዓብለላ ገዛኣ ክትወጽእ እንከላ ሕሉፍ ፍቕሪ ናይ ገዝኣ’ዩ ዝዝከራ። ስለዚ ኣብቲ እትመጽኣሉ ግዜ ብሕት ኢላ ምስ መሓዝኣ ተዕልለሉ እዋን ውሑድ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ግን ኣብ ስርሓ ኰይና ምስ ልባ ኣብ እትማጎተሉ ዝነበረት ግዜ፡ ‘ደልየኪ ኣለኹ’ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዝሰደደትላ፡ ሳሌም ድሕሪ ንስድራ ማርታ ሰላም ምባላ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ማርታ’የን ኣምሪሐን። “ኣንቲ እንታይ ደኣ ገጢሙኪ

ትማሊዶ ጽቡቕ ኣየፋነኹኽን ሓሚመ’የ ትብልኒ፡” ድሕሪ ሓጺር ሰላምታ፡ እታ ቀያሕ፡ ጭምጭም ዝበላ ግን ምጭዋት ኣዒንቲ፡ ወትሩ ዝፍረዝ ሓጺር ጸጉሪ እትውንን ማርታ መሓዝኣ በለት። ማርታ ምስ ዋዒኣን ምስ ኩሉ ሕውስቲ ብምዃናን ኩሉ ሰብ መሓዝኣ’ዩ። ነዚ ዝረኣየ፡ ሳሌም

ቀንዲ መሓዝኣ’ያ ኢሉ ክኣምን የጸግሞ’ዩ። ሳሌም፡ መሓዝኣ ካብኣ

ዝፍለ ባህርያት’ኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ካብኣ ትረኽቦ ምኽሪ ግን ዕጋበት ይፈጥረላ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ፍቕርን ከባቢኡን ክኢላ’ያ ኢላ እያ እትሓስባ። ስለዚ’ዩ ናብኣ ከተንፍሶ ተሃዊኻ። “ትማሊ ምሽ ምስቲ ጠበቓይ ዝነበረ ከም ዝመጻእኩን ኣብ ዝኽሪ ዓመተይ ከኣ ምስኡ ከም ዘምሰኹን ነጊረኪ፡” መእተዊ ገበረት። “ንሱ እንድዩ ሎሚ ንስራሕ መጺኡ ነይሩ፡ ብምምጽኡ ግን ኣይኰንኩን ሰንቢደ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝደወሎ’የ።” “ኢሂ ንምንታይ ድዩ

ደዊሉ፡ ፍቓድ ክሓትት ድዩ? ኩሉ መደብ ባዕሉ’ዩ ዝውድኦዶ ኢልክኒ ኣይነበርክን?” ማርታ ህውኽ ኢላ ኮለፈታ።

“እወ ሕጂ’ውን ምስ መጸ’ዩ ደዊሉለይ። ኣነ ከኣ ከም ዝመጸ

ከይረኣኽዎ ኣብ ኣፍደገ ኰይነ

እዛረቦ ነይረ። ሃንደበት ኣብ ሆስፒታል ኣለኹ ምስ በለኒ ኣብ

ዘለኽዎ ደሪቐ። እንተረኣኹ ግና ወዲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ። ክላገጽ’ዩ ከምኡ ኢሉኒ። ሽዑ ማራ እየ ሓሪቐ። እቲ ዘገርም ግን ንሱ ምልጋጹ ዘይኰነ፡ ኣነ ማዕረ ክንድኡ ምስንባደይ’ዩ። ሽዑ ክሳብ ዝፍደስ ተጸብዩኒ ምስኡ’የ ክሳብ ኣብዚ መጺአ። ኣይትርኣይዮ በዛ ሕፍረት ዝብሎ’ዩ ጠፊኡኒ።” ሳሌም ዘለዋ ቃላት ኣኻኺባ ስምዒታ ክትገልጽ ፈተነት። መሓዝኣ ማርታ ግን ስምዒት

ሳሌም ካብ ዓይና ከተንብቦ ብምኽኣላ ክትርድኣ ኣይተጸገመትን። ዝያዳ ከተዛርባ ግን፡ “ሳሌም ሓፍተይ ሰንቢደ ደሪቐ ዲኺ ዝበልኪ፡ ሆስፒታል ደቂሰ ድዩ ኢሉኪ?” “እንታይ ክብለኒ ደኣ፡ ንሱስ

ተጸሊኡኒ’ዩ ዝበለኒ፡ ዌልካም ከይትከውን ከኣ’ባ ኢሉኒ። በቃ ግን ንገለ ደቓይቕ ልበይ ደው ኢላ።” ሳሌም መለሰት ኩሉ እናተራእያ። ማርታ ክሞልቃ ዝደለየ ሰሓቕ

እናተቓለሰት፡ “እሞ ሳሌመይ ምስ ረኣኽዮ ብጀካ እቲ ሕርቃን ገለ ሩፍታዶ ተሰሚዑኪ?” ሸፋሽፍቲ

ዓይና ሓፍ ኣቢላ መልሲ ተጸበየት። ሳሌም ብዘይ ዘረባ ፍሽኽታ ኣሰንያ ብእወታ ጥራይ ርእሳ ነቕነቐት። “እሞ እንተዘይተጋግየ እታ ትምካሕ መሓዛይ ሳሌም ብፍቕሪ ተሳዒራ መስለኒ።” ክትዓግቶ ዝጸንሐት ሰሓቓ ሰዓራ። “ማርቲ’የ ምስቲ ደንጊጹ ኩሉ

ነገር ዝተሓጋገዘኒ፡ ኩሉ ነገር ናተይ ከኣ ምፍላጡ፡ ማዕረ ዕለተ ልደተይ ምዝካሩ ርእየ ካብ ኣድናቖት ዝተላዕለ’ዩ ዝኸዉን ክንድኡ ተገዲሰ።” እታ ወትሩ ቀልጢፋ ንፍቅሪ ኢዳ ክትህብ ዘይትደሊ ሳሌም ሽዑ’ውን ክትሰዓር ኣይደለየትን። ማርታ፡ መሓዝኣ ቀልጢፋ ከም

ዘይትርታዕ ትፈልጥ’ያ። “ሳሌመይ፡ ሕጂ ደሓን ፍቕሪ’ዩ ኣድናቖት’ዩ ኢልካ ምውሳን ኣየድልየክን’ዩ፣ ንሱ ንግዜ ግደፍሉ። ደሓር ከኣ ምፍቃር እኮ ምስዓር ማለት ኣይኰነን። ብዓብዩ ፍቕሪ’ኮ ካብ ኣምላኽ’ዩ ዝብሃል። ማዕሪኡ ከኣ ኣድናቂት ጥራይ ኣይትኹኒ። ካብ ድንጋጸ ጥራይ ተበጊሱ ክንድዚ ክግደስ ዝኽእል ውሑድ’ዩ። ስለዚ ብኹሉ ኩርንዓት

እናረኣኺ ነጻ ኰይንኪ ተጎዓዚ።” ሓንሳእ ሓንሳእ ልክዕ ከም ዓባይ ሓፍታ ኰይና’ያ ትመኽራ። ሓቅኺ ማርቲ ሓፍተይ

ግዜ ክምልሶ’ዩ። ግን ትፈልጥኒ እንዲኺ ኣባኺ መጺአ

ከየንፈስክዎ ኣይፎኽሰንን’ዩ። ኣንቲ በሊ መስዩ ገዛ ክኸይድ።” ኢላ ካብ ኮፍ ዝበለቶ ተንስአት። “ጽንሒ በሊ ጎልፎይ ለቢሰ ከፋንወኪ። . . . እሞ መዓስ’የ ዝላለዮ ነዚ ጎድኒ መሓዛይ፡ ካብ ሕጂ ከጠንቅቖ የማነይቲ ኣነ ምዃነይ፡ ጸጋማይ ክኸውን እንተደልዩ ጸገም የብለይን።” ማርታ ክትዋዘ ጀመረት። “ምስ ሓወኺ። ሻሂ ክንሰቲ ኢሉኒ

መሓዛይ ሓሚማ ኢለ’የ ኣመኻንየ።” ተመራሪሐን ካብ ገዛ ወጻ።

********************* ሰዓት 10 ቅ.ቀ. ተሌፊን ናይ ገዛ

ክትጽውዕ ጀመረት። ሲራክ ገና ካብ ድቃሱ ስለ ዘይተበራበረ ደርገፍገፍ እናበለ’ዩ ኣልዒልዋ። “ሄለው መን ክብል?” ብባዕጋግ ድምጺ መለሰ። “ሄለው ሲኩ ሓወይ ከመይ

ቀኒኻ? እንታይ ደኣ ለይቲ ድዩ ዘሎ ኣባኹም፡ ደቂስካ ኢኻ ጸኒሕካ መስለኒ፡” በለ ዳኒኤል ሓዉ።ሲራክ ድምጺ ሓዉ ምስ ሰምዐ

ክበራበር ጀመረ። “ሄይ ዳኒ፡ ኣምላኽ ይመስገን። ኣብዚ ደኣ ንግሆ’ዩ ዘሎ። ኣምስየ ደቂሰስ ሕጂ’የ ዝበራበር ዘለኹ። ከመይ ቀኒኻ?” “ኩሉ ሰናይ’ዩ፡ ሓድሽ ዜና

ኣሎ ሰሚዐስ ናብ ድቃስካ’ዶ ትምለስ ዋላስ ትነግረኒ ኢኻ?” ዳኒኤል ነቲ ዜና ክፈልጦ’ኳ እንተደለየ ናይ ሓዉ ስራሕ ስለ ዝፈልጦ ግን ክድቅስ ድማ ደለዮ። “ንዓኻ ኣብ መንጎ ስራሕ

ኣይኹንካ’ምበር ሕጂ ምነገርኩኻ፡” ሲራክ ብዛዕባ ሳሌም ክዛረብ ተሃወኸ።

ይቕጽል

Page 5: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሰነ 2016 - ገጽ 5መበል 25 ዓመት ቁ. 240

Page 6: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሰነ 2016 - ገጽ 6መበል 25 ዓመት ቁ. 240

መሓሪ ዑቕባሚካኤል (ጠዊል)

ካብ ርጉኦ ወይ ብራሕ መሳሊ ብምትራፍ ጸኒሑ ክረግእ ናብ ዝድለ ጸባ ዝሕወስ ጽዕዲት(ፍርያት ጸባ) መራግእቲ ይበሃል። ውሕልነት ዘለወን ደቀንስትዮ እውን ካብ እንጌራን ኣግራብን መራግእቲ ክሰርሓ ይኽእላ። ‘ለባም ክጋገ መራግእቲ ነይገድፍ’ ኰይንወን መራግእቲ ዝረስዓ ኣደታት፡ ጣይታ(ብፍላይ ዕስው ዝበለ) ርእየን ንእሽቶ ቍራስ ናብ ወዮ ክረግእ ዝተደልየ ጸባ የእትዋ። ኣብ መሶብ እንከሎ ንጣብ ዓይኒ ቈልዓ ዝመስል ጻዕዳ ነገር ዝሓወሰ ጣይታ ድማ ይመርጻ። እዚ ንኸምዚ ተባሂሉ ዝሕረ እንጀራ ኣብ ገለ ከባቢ ‘ጠጣዕ’ ይበሃል። ጠጣዕ ሰም ጤል እውን’ዩ። ቀያሕ ወይ ጸላም ጤል ሓሓሊፉ ዝረአ ድሙቕ ጻዕዳ ሕብሪ ይህልዋ’ሞ እዚ ስም ይወሃባ። ነገር ብሂል ድኣሉ ዝኸውን’ምበር፡ ክሓቝናኦ ንዝደለያ ጸባ ኣብ መጐጎአን ብመጉዲ(መኽደን መጐጎ) ብምኽዳን ሕሉፍ ውሕልነት የርእያ ነይረን ይብልወን። ካብዚ ርጕኦ ዝርከብ ጠስሚ ንቤተ-ክህነትን ሹመኛታትን ይቕረብ ነይሩ ይብልዎ። ነዚ ዕላል ክትድርቡሉ እንተድኣ

ኣብ ያታዊ ሕብረተሰብ ትግርኛ ንለይትን ድምጽን ዝወሃቡ መግለጺታት እምብዛ ብዙሓት’ዮም።

መራግእቲ

ደሊኹም ናብ ገሽናሽም ኣቢልኩም ዘወር በሉ። ኣንስቲ እቲ ዓዲ ደኣ ከም መጀሃሪ ኣይሓስብኦን’ምበር፡ ደቀንስትዮ ገሽናሽም ብትንፋሰን ከይሓደጋ እውን ጸባ የርግኣ ነይረን ይብልወን። ልቦናአን ካብ ምርጋእ ጸባ ሓሊፉ ልቢ ሰብኣይ እውን ይመልስ ነይሩ ይብልዎ። ጭራስ ምስ ብዓልቲ እንዳኦም ምውሕሓጥ ስኢኖም ሓዳር ምቕርዓው ዝኣበዮም ደቂ-ተብዓትዮ፡ ካብ ገሽናሽም ክምርዓዉ ይምከሩ ነይሮም ይብልዎም። ጭራሽ ከምዚ ከማይ መትሓዚ ዘይብሎም እንተዘይኰይኖም ድማ፡ ሰጥ ይብሉን የብላኦምን ነይረን ይበሃል። ሓመድ እቲ ዓድን ከባብን ቍሒሞም ዝዓበዩ መዛግብ ኣፋዊ ያታ ዝዀኑ ሰብኡት፡ ብዛዕባ መራግእቲ ስፍሕ ዘለ ኣፍልጦ ኣለዎም። ወዮ ድኣ‘ኣያ እከለ ጨሓመገሽናሽም ዝዓዱ ቍሸት ዓደ-

ኰሎመ’ኢልካ ምስ ተደርፈሎም ኣባትሮም

ዘልዕሉ እናዀኑ’ምበር ፍልጠቶምስ ቀዲሕካ ኣይውዳእን። ኣብ ከባቢኦም ልቦም ምህዳእ ንዝኣበዮም ዝኸውን ማይ’ውን ነይሩ ይብልዎ። ምስ

ብዓልቲ ቤቶም ይኹን ምስ ዝረኸብዎ ሰብ ቀርኖም ኣብሊሖም ንዝናገሩ ሰባት መዝሓሊ ዝኸውን ‘ጠለልታ’ ዝብልዎ ነታዒ(ፈልፋሊ) ማይ ክሳብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ነበረ ይብልዎ። ጠለልታ ዝነትዓሉ ዝነበረ ኣኻውሕ ገዛውቲ ንምስራሕ ተብሂሉ ፈፈጺሕካ ምስ ተወስደ ግና ዓይኒ ማይ ጠለልታ ተደፍነ የዘንትው። እንተኾነ ነገር ምርቓ ግዲ ጸኒሕዎ እቲ ቦታ ክሳብ ሎሚ ጠለት ኣይረሓቖን። ካብ መስከረም ክሳብ መስከረም ብነዝዒ ማይ ይስነ’ሎ። ርግኣት ኣይትሰኣኑ ድማ እቲ ከባቢ ርግኣት ዝዓሰሎ’ዩ።መራግእቲ ካብ ኣግራብ ይስራሕ

ምዃኑ’ውን ኣጥለልኩ ድኣ። ቀልጢፎም ጸባ ከርግኡ ዝደለዩ ጓሶት ካብ ፍረ ዕንጉለ ናብ ወዮ ጸባ ብዝደለይዎ ዓቐን የንጥቡ’ሞ እቲ ጸባ ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ክሳብ ጋዕ ምባል ይበጽሕ። ብኸምዚ ኣገባብ ንዝረግአ ጸባ ክሳብ ብቕላጥ ይምገብዎ። ምስ ብርኵታ ሓዊሶም ክሳብ ዝስንጠቑ ዝምገብዎ ጓሶት እውን ከብቲ ገዲፈናኦም ዝነቕላ ይድቅሱ ነይሮም ይብልዎም። ኣፍካ መሊእካ ዘዛርብ ድኣ ኣይኮነን’ምበር፡ ካብ ናይ ከርመድ፡ ሰሰወ፡ እርግዛና ዝበሃሉ ኣግራብ ዝስራሕ መራግእቲ ምንባሩ’ውን ብዝዓቕመይ ክፈልጥ ክኢለ ኣለኹ። ነዃዕስ ዝዓቕማ ትቝነን ድዩ ዝምሰል?ነገርያ መራግእቲ ካብ ወዮ ዝተባህለ

ሓሊፉ ምስ ዝናብ ጉንበተ-ሰነ ይተሓሓዝ ይብልዎ። ንወዮ ብሓጋይ ተበሊዑ ዝጸንሐ ሰብን ምድርን ቅድም ኢሉ ትንፋስ ዝመልሰሉ ዝናብ፡ መራግእቲ ይበሃል። ብፍላይ ብጸሓይ ጾመ-ኣርብዓ

መንበስበስታኡ ነዂሉ ዝሓገየ ሰብ ቅድም ኢሉ ጀበብ ንዝብሎ ዝናብ መራግእቲ ይብሎ። መበኰርታ ዝብሎ እንተተረኽበ እውን ኣገናዕ ይገዘም። ‘ተበኲርኩምዶ’ ኢሎም ዝሓቱ እንተተረኽቡ ጭራስ ድንግር ኣይበልኩም። ምስ ጽዕዲት ጥራሕ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። ንመራግእቲ ዝበሃል ዝናብ ሃህ ኢሎም ዝጽበዩ ከም ብዓል ደጉሻ፡ ጻዕዳጣፍ… ብሓፈሻ ቅልጥፍ ወይ ቅድም ኢሎም ዝዝርኡ ኣዝርእቲ ኣለው። ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣዝርእቲ ክልተ ሰለስተ ዝኸውን ዝናብ ምስ ረኸቡ ክሳብ ዱልዱል ክራማት ዝጅምር ብዝናብ መራግእቲ ይጻንሑ። ብፍላይ ‘ሰተር’ ዝተባህለ ዳጉሻ ምስ ተዘርአ ክልተ ሰለስተ ዝናብ ምስ ረኸበ ናብ ጉስያ ይበጽሕ ይብልዎ። ቈልዓ ዘምስሕ’ውን ይጕርድ ይብልዎ። ምጉራድ ፈሊጥክምዎ ኣለኹም፡ ዳጉሻ ይኹን ካልእ እኽሊ ዝኣኽሎ ሸዊት ክሕዝ እንከሎ’ዩ።መራግእቲ ካብ ሱር-ወዲ ሱር

እውን ይስራሕ’ዩ። ግዳ እዚ ብኸምዚ ዝስራሕ መራግእቲ ናይ ጓሶትን ሕልፍ ዘለ ጥበብ ዘለዎም ሰባትን’ዩ። አረ ምስ ካልእ ጥንቃወ(ጥበብ) እውን ይተሓሓዝ። ኣብ ጉስነት ነይሮም ናብ ኣንስቶም ዝድይቡ ጓሶት ብኸምዚ ዝረገአ ጸባ ይምገቡ ነይሮም ይብልዎም። ዱልዱል ቀውዒ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘጥለሉ ኣጉባዝ ሃንሰ-መስቀለ እውን ዓጺዱን ጐኒኡን ሃይ ዘይብል ሕቖ ክህልዎም ከምኡታት የዘውትሩ ነይሮም ይብልዎም። ካብ ኣቦ ይኹን ኣደ ዘራይ ዘይብሉ እንኮ ውላድ እውን ቀላጽሙ ክኣምን ብሰራውር ኣግራብ

ዝረገአ ጸባ የዘውትር ነበረ ይበሃል። ‘ርጉኦ ሽንጦ’ ዝበሃል ርጉኦ’ውን ነበረ ድኣ። ካብ ጸባ ጤለ-በጊዕ ዝዳሎ ርጉኦ ድማ’ዩ። ዝዀነ ሰብ ክምገቦ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ዝያዳ ጡብ ኣደኦም ከዕግቦም ንዘይከኣሉ ቈልዑ ይምረጽ ነበረ። ኣደ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንውላዳ ከተጥቡ ኣብ ዘይከኣለትሉ እዋን ንወዮ ቈልዓ ክፈዅሰሉ ተባሂሉ ጸባ ጤል ትምግቦ። ርጉኦ እንተዀነ’ውን ናይ ጤለ-በጊዕ።

ምብዛሖም ጥራሕ ከይኣክል ሓድሕድ ዘይሰማምዑን ኣብ ካልእ ወገን ኣሰር ዘይርከቦም እውን እዮም። ንኣብነት ኣብ

ገለ ከባቢ ‘ኣውያት ቀትሪ ዳርጋ ዕላል’ ተባሂሉ ይምሰል። እዚ ድማ ኣውያት ቀትሪ ኣይስማዕን ንምባል’ዩ። ‘ኣውያት ቀትሪ ሰብ ቀታሊ’ እናበሉ ዝምስሉ’ውን ኣለው። እዚ ድማ ኣውያት ቀትሪ ቀባሪ ዘይርከቦ ብምዃኑ’ዩ። ሰብ ምስ ሞተ ዘይኰነ፡ ቀባሪ ምስ ሰኣነ’ዩ ሞይቱ ዝበሃል። ዝወፍር ወፊሩ ዝገይሽ ምስ ገሸ ዝእወ፡ ሰማዒ ስለዝስእን ወዮ ሞት፡ ምስ ክልተ ሞት ይሕሰብ። ግዳ ‘ሞት ፈጣሪ’ ዝበሃል ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ዝጻረር ኣበሃህላ’ሎ። እዚ ድማ ወዮ ሞት ኣብ ሓደ ዓቢዪ በዓል እቲ ዓድን ከባብን ምስ ዘጋጥም’ዩ። መዋቲ ከቢሩን ማዕሪጉን ሓመድ ይለብስ። ግዳ እቲ ዓቢ በዓል እቲ ዓዲ ብሰንኪ እቲ ቀብሪ ኣይሰናኸልን። ምማት እቲ ሰብ ኣብቲ ዓቢ ብዓል ከም ጽድቂ ተሓሲቡ ብቡራኬ ይሕለፍ። ‘ስሙ ይጽዋዕ ምስ ስም መላእኽቲ’ ተባሂሉ ድማ ተንእዶ(ሓለፋ) ይምስገን።

ኣውያት መሰንቆ፡ ንንጻረ ድምጺ ኣብ ለይቲ ዝወሃብ መግለጺ’ዩ። ንንጻረ ድምጺ ኣብ ለይቲ ‘ትንፋስ ምዉት ይስማዕ’ ተባሂሉ ይዝረበሉ። ‘ንፋስን የእዊ፡ እግርን ኣባጃዊ’ ከኣ ይምልኦ። እቲ ቀትሪ ካብ ዝዀነ ምንቅስቓስ ዘይዓግት ንፋስ ሰብ ኢዱ

ምስ ተተርኣሰ(ምስ ደቀሰ) ክሳብ ንኣቝናጭ(ብቐሊሉ ዘይድቅሱ ሰባት) ሰለም ክኸልኦም ይኽእል። ቀትሪ ሸፋሕ ክብል እንከሎ ብዙሕ ኣድህቦ ዘይረክብ ድምጺ’ውን፡ ለይቲ ክሳብ ካብ መውዓሊ ኣንስቲ(ቀረባ) ይስማዕ። ‘ጥራይ እግሮም ይዛወሩ ምድሪ ንኽነግሩ’ ከኣ ይምሰል። ባህ ዘብል’ኳ እንተዘይኰነ ኣውያት

ንምንታይ ምሸትን ወጋሕታን ይኸውን ዝብል ሕቶ ንእግረ መንገደይ ክተናኽፎ። ድምጺ ለይቲ ተሰማዓይ ብምዃኑ ኣውያት ምስ ጸልማት ይዛመድ። መተኣውይቲ(ኣእወይቲ) መርድእ ክበጽሖ ናብ ዝተደልየ ዓዲ ምሉእ ለይቲ ክጓዓዙ ሓዲሮም ግድን ከርክቡ ይግደዱ። ምድሪ ከብዲ ኣድጊ ቅድሚ ምዃኑ ከኣ ንዓዲ የስምዕ’ዩ ኣብ ዝበልዎ ህድሞ ይኹን በሪኽ ተሰቒሎም ኣውያቶም የስምዑ። ዝሰምዕ ከኣ ብስም ይምራሕ። ‘ቀትርን ኣይተእውዩ ቅራርኩም ኣናድዩ’ ድማ ይምስሉ። ካብ ቀትሪ ምእዋይ ‘ኣሰርውሃ’ ምንዳይ ይሓይሽ ንምባል። ክኢላታት ኣፋዊ ያታ ከም ዝብልዎ ቀትሪ ብዀፍ ዝስማዕ ድምጺ፡ ለይቲ ክሳብ ጐደቦ ዓዲ ክስማዕ ይኽእል ይብልዎ። ‘ለይቲ ኣይትሕመዩ ንእድኹም ኣጠጥዩ’ ኢሎም ከኣ

ኣውያት መሰንቆ

ለይቲ ይዛረብ’ዩ ዝበሃል ቀንዴል ዋልታ

ይምልስሉ። ለይትስ ይድቀስ’ምበር፡ ሰብ ኣይሰምዓንን’ዩ ኢልካ ኣይሕመን ንምባል። ‘ሰብ ዝገበሮ ምድሪ ነገሮ’ ከይከውን ግዲ።ኣብ ለይቲ ጸማም ከይተረፈ’ውን

ይሰምዕ ይበሃል። ጽሙማን ጸሓይ ካብ ዝዓረበትሉ ኣትሒዙ እዝኖም ይኽፈተሎም እናተባህለ ይዝረብ። ነገር ብሂል ድኣሉ ዝኸውን’ምበር ለይቲ ድምጾም ዝተላዕለ ጽሙማን መሊቑዎም ዎሆይ ይብሉ ይብልዎም። ብኣግርሞት ከኣ ይሕለፍ። እዚ ኢልካ ካልእ ንጻረ ድምጺ ኣብ ለይቲ ንምግላጽ ዘይበሃል የለን። “ልቢ ለይቲ” ናይ ልቡ ይዛረብ ክበሃል ሰሚዕኩም ኣለኹም። ሰብ ጭራሽ ሓንቲ ከይበለ እንከሎ ክሰምዕ ዝደለየ ሰብ ንልቢ ለይቲ ጽን ብምባል ዝደለዮ ክሰምዕ ይኽእል። ንዝደለኻያ ለይቲ ተድሃያ ዝብል ዝሰማዕኩም ንንጻረ ድምጺ ኣብ ለይቲ ብዝግባእ ተረዲእክምዎ ኣለኹም። ሰብ ኣብ ንእዱን በረኻኡን ኮይኑ ድሌት ልቡ ክልእኽ ይኽእል ይብልዎ። ልቢ ብዓል ነገርካ ለይቲ ተጸናጸን ዝብል መግለጺ እውን ይስማዕ እዩ። ልቡ ይሓብእ እዩ ንዝበልካዮ ሰብ ምሳኡ ጉዝጉዝ ኢልካ እንተደቀስካ ዝደለኻዮ ትርከብ ከኣ ይምልኡ። ኣየ ኸ እዚ ናይ ሰብ ነገር!

Page 7: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሰነ 2016 - ገጽ 7መበል 25 ዓመት ቁ. 240

ኤርምያስ ኣ

ስፍሃ

ከም ኣካል ናይ’ቲ ብድሙቕ ሃዋሁ ክካየድ ዝቐነየ መበል 25 ዓመት ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ብ22 ግንቦት 2016፡ ምምሕዳራት ዞባ ማእከል፡ ዝተፈላለያ መንግስታውያንን ብሕታዊያንን ትካላትን ኩባንያታትን ዝተሳተፍኦ ምርኢት ካርኒቫል ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ንመኸተን ገስጋስ ልምዓትን

ዘንጸባርቕ ምርኢት ካርኒቫል፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ሰማእታትን ሓርነትን- ኣስመራ ወጺኡ ከም ዝተዓዘቦ ዝፍለጥ’ዩ። ካርኒቫል ስፖርት’ውን ኣካል ናይ’ቲ ዝቐረበ ምርኢት ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ስፖርተኛታት ዝተሳተፍዎ ንጉዕዞ ስፖርት ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዘንጸባርቕ ነይሩ። ካርኒቫል ስፖርት ብምውህሃድ

ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዕዳጋ ሓሙስንን ጨንፈር ኮምሽን ስፖርት ዞባ ማእከልን’ዩ ተዳልዩ። እዚ ምርኢት ብምንቅስቓስ ስፖርተኛታት፡ ንስፖርት ዝውክል ደርፍታትን ስልማታትን ዝተዓጀበ ነይሩ። እቲ ምርኢት ንንጥፈታት ስፖርት ሃገርና ኣብ ጉዕዞ ርብዒ ዘመን ዘዋህለሎ ብቕዓትን ምዕባሌን ኣንጸባሪቑ።ኣብ’ዚ ርብዒ ዘመን ኣብ ስፖርት

ድሙቓት ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ብርክት ዝበሉ ዋናጩ ክንዓትርን መዳልያታት ክንሽለምን በቒዕና። ነቲ በብእዋኑ ዝተጓናጸፍናዮ ዓወታት ንምጉላሕ’ዩ ድማ ካርኒቫል ስፖርት ብሓንቲ 5 ሜትሮ ዝቑመታን፡ ልዕሊ 3 ሜትሮ ዝስፍሓታን ብዓባይ ቅርጻ ዋንጫ ተወኪሉ ነበረ። ኣብ ውሽጢ’ዛ ዋንጫ ንብሽክለታ፡ ኣትለቲክስን ኩዕሶ እግሪን ዝውክሉ ቅርጽታት ነይሮም። ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይ’ታ ዋንጫ ድማ ንኣርማ ኣሎምፒክ ዝውክል ምስሊ ይርከብ። ስፖርት ንዓወት ንጥዕና፡ ንምትሕግጋዝ፡ ንምሕዝነትን ፍቕርን ከም ዝኾነ ንምግላጽ ድማ ኣብ’ተን ሓሙሽተ ክቢ ብወካሊ ምስሊ ተሳኢሉ ይርአ። እዛ ብቕርጻ ዝተሰርሐት ዓባይ ዋንጫ፡ ነቲ ኣብ ኣትለቲክስ ቅድድም ብሽክለታን ኩዕሶ እግሪን ዘመዝገብናዮ ድሙቕ ዓወታት ንመጻኢ’ውን ክንሓፍሶም እንኽእል ዓበይቲ ዓወታትን ብመሳጢ ስነ ጥበባዊ ምህዞ እተርኢ እትድነቕ ስራሕ ተዓዚብና። ብዘይካ’ዚ በብሎካት ብምንቅስቓስ መንእሰያትን ግራስ ሩትን ስፖርተኛታት ዝተሰነየ ምርኢት ቀሪቡ። ኣብ 1ይ ብሎክ ንቕድድም ብሽክለታ ዘንጸባርቕ ምርኢት’ዩ ቀሪቡ። ኣብ መዳይ ቅድድም ብሽክለታ

ኣብ’ዚ ርብዒ ዘመን ብፍላይ ኣብ ቱር

ካርኒቫል ስፖርት፡ ጉዕዞ ስፖርት ርብዒ ዘመን ኣብ ደቓይቕ

ዲ ፍራንስ 2015 ዘመዝገብናዮ ብሉጽ ዓወት ወትሩ ተዘካሪ’ዩ። ስለዝኾነ’ዩ ብርክት ዝበሉ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ንምርኢት ካርኒቫል ስፖርት ክቕልስዎ ኣዳለውቲ ኮሚቴ ዝመረጹ። ኣብ’ዚ ምርኢት ፍሉይ ክእለትን ምልከትን ዘለዎም ተቐዳደምቲ ማውንተይን ባይክ ዞባ ማእከል ንህዝቢ ዘርእይዎ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ሰሓቢ ምርኢታት መሳጢ ነይሩ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ብሉጻት

ተካእቲ ተቐዳደምቲ ይፈርዩ ከም ዘለው ካብ’ዚ ምርኢት ተገንዚብና። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ብጋንታ ተጠርኒፎም “ኣለና…” ክብሉ እንከለዉ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ውድድራት ብሽክለታ ዓለም ተወዳዳሪት ኮይና ከም እትቐርብ ዘጠራጥር የብሉን። ኣዳለውቲ ካርኒቫል ስፖርት ብጥበባዊ

መንገዲ ማለት ኣብ ዝባን መድረኽን ቱር ደ ፍራንስ ዝውክል ድሕረ ባይታ ሰሪሖም፡ “ዓሚ ናይ ዓቐብ፡ ጽባሕ ድማ ብጫ ማልያ ክንውንና ኢና፡” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ኣብ’ቲ ምርኢት ኣርእዮምና። እቲ ምርኢት ነቶም ተካእቲ ተቐዳደምቲ ዝያዳ ሓላፍነታውያን ንክኾኑ ዝሕብር’ዩ። ብዘይካ’ዚ ጎድኒ ጎድኒ ምርኢት ቅድድም ብሽክለታ፡ ኣብ ባሕርን ገማግም ባሕርን ሃገርና ዝካየድ ከም ኩዕሶ መርበብ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ስፖርት ኣስታት 100 መንእሰያት ተማሃሮ ሰማያዊ ዝሕብሩ ኣልባስ ለቢሶም ንባሕሪ ወኪሎሞ። እዞም መንእሰያት በጥ ክብሉ እንከለዉ፣ ንልብሲ ስፖርት ባሕሪ ዝውክል ማልያ ዝለበሱ ስፖርታውያን ድማ ኩዕሶ መርበብ ክጻወቱ ይረኣዩ ነይሮም።ቀጺሉ ዝቐረበ ምርኢት ንኩዕሶ

እግሪ ሃገርና ዘንጸባርቕ’ዩ ነይሩ። ኣብ 2012 ኣብ ዞባ ማእከል ዝፈለመ ወፍሪ ኣብ ህጻናት (ግራስ ሩት) ብጽቡቕ ይግስግስ ከም ዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ መጻኢ ትስፍዋት መንእሰያት ካብ’ዞም ሰልጠንቲ ህጻናት ከም ዝርከቡ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ምርኢት ኩዕሶ እግሪ፡ ፍሉይ ክእለት(ታለንት) ዘለዎም ህጻናት ብኣሰልጠንቶም እናተኣልዩ ክእለቶም ንህዝቢ እናርኣዩ ክንቀሳቐሱ ተዓዚብና። እዞም ህጻናት ማልያ ናይ’ተን ኣብ ዞባ ማእከል ዘለዋ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ለቢሶም፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ወኒኖሞ ዘለው ልዑል ምልከትን ክእለትን ብኰዓሳሱ ኣሰንዮም ኣብ’ቲ ምርኢት ኣቕሪቦም። እቲ ዘርእይዎ ዝነበሩ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ከኣ ማዕረ ክንደይ ንቕድሚት ሰጉሞም

ከም ዘለው ዘረድእ’ዩ ነይሩ። ጎድኒ ጎድኒ ምርኢት ኩዕሶ እግሪ፡

ስንኩላን ሓርበኛታት ባይታ ቴንስ እናተጻወቱ ዘርኢ ምርኢት’ውን ቀሪቡ’ዩ። ውድድራት ባይታ ቴንስ ናይ ስንኩላን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ መዓስከር ደንደን ብውዕውዕ መንፈስ’ዩ ዝካየድ ነይሩ። ንገለ ዓመታት ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ዳግም ንምብርባሩ

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንስንኩላን መሰረታዊ ስልጠና ባይታ ቴንስ ተዋሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ። ነቲ ዝተዋህቦም ስልጠናታት’ዮም ድማ ብግብሪ ኣብቲ ናይ ካርኒቫል ስፖርት ምርኢት ንህዝቢ ኣቕሪቦም። ጽቡቕ ኣንፈት ሒዞም ከም ዘለው ድማ ብዓይንና ዝተዓዘብናዮ’ዩ። ንመኸተ ጉስጢ ኣብ ዝወከለ

ምርኢት’ውን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ’ቲ ዓውዲ ብዝነጥፉ ዘለው መንእሰያት ንጥፈታቶም ኣርእዮም። መኸተ ጉስጢ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝዕዘቦ ዝነበረ ሰሓቢ ዓይነት ስፖርት’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንጥፈታቱ ነክዩ ይርከብ። ኣብ’ቲ ምርኢት ከም ዝተዓዘብናዮ ግና ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ከም ዘለውን ንቐጻሊ’ውን ብስሩዕ ውድድራት መኸተ ጉስጢ እንተተኻይዱ ትስፍዋት ተወዳደርቲ ክንርኢ ከም እንኽእል ዘመስክር’ዩ ነይሩ። ውድድር ጠረጴዛ ቴንስ’ውን ኣብ ሃገርና ብሰሓቢ ኣገባብ ዝካየድ ውድድር’ዩ። ኣብ’ዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ስፖርተኛታት ከኣ ንጠረጴዛ ቴንስ ዝውክል ምርኢት ኣቕሪቦም ነይሮም። ቀጺሎም ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ

ዝነጥፉ ኣትለታት ነዚ ዓውዲ ብዝውክል ዝተፈላለየ ምንቅስቓሳት ተሰንዮም ምርኢት ኣቕሪቦም። ውድድር ኣትለቲክስ ኣብ ሃገርና ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፣ ብዝያዳ ግና ብድሕሪ ናጽነት’ዩ ኣብ መንእሰያት እናሰረጸን

እናማዕበለን መጺኡ። ሃገርና ኤርትራ ብዓውዲ ኣትለቲክስ ኣብ’ዚ ርብዒ ዘመን ኣብ ዓለም ድሙቕ ስም ኣመዝጊባ’ያ። ኣብ ምርኢት ካርኒቫል ስፖርት ዝቐረቡ ትስፍዋት መንእሰያት ኣትለታት፡ ውድድራት ጉያ ዝሓቶ ቴክኒካዊን ጉልበታዊን ብቕዓትን ጻዕርን ንምግላጽ ብኣሰልጠንቶም እናተመርሑ ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ ኣንጸባሪቖም።

ካልእ፡ ስፖርታዊያን ውድድራት ቸስ፡ ባድሜንተን ኩዕሶ መርበብን ሰኪዔትን ነቲ ዝወዳደርሉ ዓይነት ስፖርት ዝውክል ዝተፈላለየ ምርኢት ኣርእየን። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ዓይነታት ስፖርት ክእለትን ብቕዓትን ዘለዎም ስፖርታዊያን ከም ዘለውና እቲ ዘቕረብዎ ምርኢት ህያው ምስክር’ዩ። ዝያዳ ንምምዕባሉን ንሃገርና ወኪሎም ዓወታት ዘምጽኡ ስፖርታዊያን ኣብ’ዚ ዓውድታት ንኽፈርዩን ፈደረሽናት ናይ’ዘን ዝተጠቕሳ ዓይነታት ስፖርት ጻዕርን ስራሕን የድልየን።ኣብ መወዳእታ ናይ ካርኒቫል ስፖርት፡

እቶም ብደረጃ ዓለም ድሙቕ ዓወት ዘመዝገቡ ኣትለታትናን ተቐዳደምቲናን ኣብ ማርቸድስ ዝዓይነተን መካይን ተወጢሖም’ዮም ናብ ህዝቢ ቀሪቦም። ንሶም፡ ኢዶም ብሰላምታ ንህዝቢ እናዘርግሑ፡ “ቅድሚ ሕጂ ዝረኽበናዮ ዓወት ብደገፍ ናትካ’ዩ፡ ሕጂ’ውን ታሪኻዊ ዓወታት ንምምዝጋብ ምስ ሓይልና ኣለና፡” ዝብል መልእኽቲ የሕልፉ ከም ዝነበሩ ካብ’ቲ ኣብ ገጾም ዝንበብ ዝነበረ ናይ ዓወት መንፈስ ትግንዘብ። ገለ ካብቶም ኣብ’ቲ ምርኢት ዝቐረቡ ስፖርታዊያን፡ ንጉስ ፍርቂ ማራቶን ዓለምን ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ውድድራት ኦሎምፒክ 2004 ዝኾነ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ብቐዳምነት ተሰሪዑ ነበረ።፡ ብድሕሪኡ’ውን ተዓዋቲ ውድድራት ማራቶን ዓለም- በይጅን ኣትለት ግርማይ

ገብረስላሴ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ቦኽሪ ተሳታፊት ኦሎምፒክ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ብዘይካ’ዚ ነዊሕ እዋን ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ንሃገራ ወኪላ ዝተሳተፈትን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ’ውን ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ሪዮ ዲ ጀኔሮ - ብራዚል ንኽትሳተፍ ትቀራረብ ዘላ ኦሎምፒካዊት ኣትለት ነብያት ሃብተማርያን ምስ’ዞም ብሉጻት ስፖርትያዊያን ተሰሊፋ ተራእያ። ካልእ፡ ነቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ

ብዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዘመዝገብናዮ ዓወት ንምግላጽ፡ ሓደ ኣብ መድረኽ ዝደየበ ስፖርታዊ፡ ብኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ተሰንዩ ብጫ ማልያ እናለበሰን ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ዝባን መድረ እናንበልበለትን ኣብቲ ምርኢት ተንጻባሪቑ። ብዘይካ’ዚ፡ ሻምፕዮን ዞባ ማእከልን ሻምፕዮን ኤርትራን 2015፡ ከምኡ’ውን ሻምፕዮን ክሮኖ ሜትር ኣፍሪቃ 2015 ዝኾነት ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ሞሳና ደበሳይ (ጋንታ ዓራግ) ንዕውታት ስፖርተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ወኪላ ምስ’ቶም ዕውታት ስፖርተኛታት ተሰሪዓ ነበረት። ኣደታት ምም/ንኡስ ዞባ ዕዳጋ ሓሙስ

ነዞም ዕዉታት ስፖርተኛታት ብጓይላ እናዓጀባ’የን ዘሰንይኦም ነይረን። እቲ ናይ ኣደታት ምዕጃብ ድማ ስፖርተኛታት ሃገርና ዓወት ተጓናጺፎም ናብ ሃገሮም ክኣትው እንከለው ወትሩ ዝግበረሎም ውዕውዕ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ብልክዕ ዘንጸባርቕ ነይሩ። ኣብ’ቲ ምርኢት፡ ተቐዳደምቲ ሞተር ብሽክለታን መኪናን፡ ባይታ ቴንስ ዝጻወቱ ሓርበኛታት ስንኩላን ኵናትን ኣብ’ቲ ዓውዲ ግራስ ሩት ዝነጥፉን ኣብ’ቲ ምርኢት ዝግባእ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም ካብ ኣዳለውቲ ኮሚቴ ይጠቕሱ። እዚ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ካርኒቫል

ስፖርት፡ ፈደረሽናት ስፖርት ሃገርና ንጥፈታተን ዘንጸባርቓሉን በጺሐንኦ ዘለዋ ደረጃን ዘርኢን’ዩ ነይሩ። ጉዕዞ ርብዒ ዘመን ንጥፈታት ስፖርት ሃገርና ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ደቓይቕ ብተመስጦ ንኽትዕዘቦ ዝቕስብ ከኣ ነይሩ ክብሃል ይክኣል።ምርኢት ካርኒቫል ስፖርት፡ ካብ ቅድሚ

4 ኣዋርሕ ኣትሒዙ ምድላዋት ከም ዝተገብረሉ ኣስታት 750 ስፖርተኛታት ከኣ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ልምምድ ብምክያድ ነቲ ምርኢት ከቕርቡ ከም ዝበቕዑ ካብ ኣዳለውቲ ኮሚቴ ናይ’ቲ ምርኢት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ንዘመዝገብናዮም ዓወታት እተንጸባርቕ ዋንጫ

ተቐዳደምቲ ማውንተይን ዘርኣይዎ ምርኢት ሰሓቢ ነይሩ

ዕውታት ስፖርተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርኢት

Page 8: ማእከል - ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ 171 ተመሃሮ ኣመሪቑ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05062016.pdfገብረኪዳን፡ በብእዋኑ ዝኽሰት

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሰነ 2016 - ገጽ 8መበል 25 ዓመት ቁ. 240 8 8

The Honeyguide Bird

***